ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ክልል ሶማሌ ነበር አብዲ ኢለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም


ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ፕረዚደንት ዝነበሩ አብዲ መሓመድ ዑመር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብቴሌቭዥን ዝተራእየ
ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ፕረዚደንት ዝነበሩ አብዲ መሓመድ ዑመር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብቴሌቭዥን ዝተራእየ

ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ፕረዚደንት ዝነበሩ አብዲ መሓመድ ዑመርን ካልኦት ሽዱሽተ አባላት ባይቶ’ቲ ክልልን ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ አቶ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ከመሓድሩ ዝጸንሑን ኣብ ቀረባ ካብ መዝነቶም ዝተላዕሉ ኣቶ አብዲ መሃመድ ዑመር ወይ አብዲ ኢለ ኣብ ልዕሊ ነባሪ’ቲ ክልል ተቃወምቲ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝለዓለ ጥርዓንን ቅሬታን ክቀርበሎም ጸኒሑ’ዩ። ንሶም ሎሚ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ተገሊጹ።

ኣቶ ዓብዲ ኢለ አብ አዲስ አበባ ኣትላስ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ብኣባላት ፈደራል ፖሊስ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕሉ ከለው ብቴሌቭዥን ምርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረ.ክልል ሶማሌ ነበር አብዲ ኢለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00

XS
SM
MD
LG