ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ የካይዶ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቓልሲ ብግዚያዊነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ


ኣብ ኤርትራ ዝመደብሩ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ የካይዶ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቓልሲ ብግዚያዊነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ።

ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ናይ ዝመራሕ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ወሃቢ ቃል ኣቶ ቶሌራ ኣዳባ ውድቦም ብዛዕባ ዘውፅኦ ግዚያዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ተሓቲቶም እቲ ውግእ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ኦሮሚያ ክካየድ ከምዝፀንሐ ብዙሕ ጉድኣት ከምዝወረደን ብምግላፅ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ዝለዓለ ልኡኽ ውድቦም ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምርኻቡ ተዛሪቦም።

“እቲ ርክብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ኣብዝኸድሉ እዋን እዩ ተኻይዱ።እቲ ልዝብ ኣብ መንጎ ብኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ጉጅለን ቀዳማይ ሚንስተርን እዩ ተኻይዱ።ኣብቲ ልዝብ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ተኻይዱ፣ኣብታ ሃገር ዘሎ ሽግር ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ብኽልቲኦም ወገናት ምርድዳእ ተጌይሩ።”

ሰራዊት ኢትዮጵያ ደፊኡ ኣብ ልዕሌና መጥቓዕቲ እንተፈፂሙ ንርእስና ካብ ምክልኻል ወፃኢ ንወስዶ ስጉምቲ የለን ኢሎም።

ኦነግ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት መቕተልቲ ምፍፃሞም ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ።

ናይ ኦሮሚያ ክልል ዋና ኣማሓዳሪ ኣቶ ለማ መገርሳ ሎም ቅነ ኣብዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ንኹሎም ኣካላት ፃውዒት ሰላም ኣብዘቕረበሉ እዋን ንነፃነት ህዝቢ ኦሮሞ ብረት ዘልዓለ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መንግስቲ ጉድኣት ምውራዱ ሓቢሮም።

"ትማሊ ኣበይ ከምዝነበሩ ዘይተፈልጡ ንሕና ሰላም ኣብ ዝኣወጅናሉ እዋን ንሳቶም ኲናት ኣዊጆም ኣለው።ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንሪኦ ዘለና እዚ እዩ።ንናይ ህዝብና ሰላም ይሰርሑ ንዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት መንግስቲ ቀቲሎም ኣለው።ሪኢናዮን ሰሚዕናዮን ዘይንፈልጥ ወላዲ ኣቦ ኣብ ቅድሚ ኣደን ውላድን ቀቲሎም ሬሳ ኣቃፂሎም ኣለው።እዚ ድዪ ነፃ ዝወፅእ?”

ኣቶ ለማ እዚ ኵናት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝኣወጆ እዪ እውን ኢሎም ።

ኦነግ ኢድ ኣለዎ ንዝብል ክሲ ዝመለሱ ኣቶ ቶሌራ እዚ ኣብ ዝተጋገየ ሓበሬታ ተመስሪቶም ዝዛረቡዎ ፕሮፖጋንድ እዩ፤ሓቅነት የብሉን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG