ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ዑደት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያንን ንሃገሮም ንምሕጋዝ ምልዕዓል የርእዩ ኣለው ክብሉ ኣምባ. ካሳ ተክለብርሃነ ገሊጾም


ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ካሳ ተክለብርሃነ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተረኺቦም ብዛዕባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣሜሪካ ዘካይድዎ ዑደት ብዝምልከት ቃለ መጠይቕ አካይዶም ኔሮም።ንሶም ድሕሪ እቲ ርክብ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንሃገሮም ንምሕጋዝ ዝለዓለ ምልዕዓል የርእዩ ኣለው ኢሎም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ካሳ ተክለብርሃን ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኣሜሪካ ዑደት ዝተርኣየ ዓወት ዝዓበየ ተራ ዝተፃወቱ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ እዮም ኢሎም።።

“ፍሉይ ዝገብሮ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን እቲ ኤምባሲን ብሓባርን ጥምረትን ነቲ ምድላው ዝመርሕሉ እዩ ነይሩ።በዚ ምኽንያት እውን ይመስለኒ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝርኣናዮም ዓወታት ንላዕሊ ዓወት ዝተመዝገበ።ብናትና ገምጋም ዕዉት ነይሩ ዝብል እዩ።”

“ብቁፅሪ እንተሪኢና ክንዲ’ዚ ዝኸውን ህዝቢ ወፂኡ ኣይፈልጥን።ሓደ ዓወት እዚ እዩ።ኣብ ኮንቨንሽን ሴንተርን፣ሎስኣንጀለስ፣ሚኒሶታ ኣስታት 100 ሽሕ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ተረኺቦም እዮም።ኣብ ነኣሽቱ መድረኻት 1,500 ሰባት ኣብ ዝፀዋዕናሉ ክሳብ 7,000 ህዝቢ ተሰሊፉ ነይሩ።ሰበ መሊኡ ተሪፉ ብዙሕ ሰብ ተመሊሱ እዩ።”

ኣምባሳደር ካሳ ብተወሳኺ ካልእ እቲ ዑደት ዕውት ምንባሩ መግለፂ ኩሉ ዓይነት ክፋል ሕብረተሰብ ዝተረኽበሉ እዩ ኢሎም።

“ተቓዋሚ ክኸውን ይኽእል፣ደጋፊ ክኸውን ይኽእል፣ነፃ ክኸውን ይኽእል።ኢትዮጵያዊን ትውልደ ኢትዮጵያን ዝኾነ ኩሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዘርኢ ወይ ሕብሪ ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ሰልፊ ከይፈለየ ዝተረኽበሉ ምዃኑ ካልእ ናይ ዓወት መግለፂ እዩ።”

ኣብ መንጎ ሃይማኖታትት ዝነበረ ኣፈላላይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዝተረኽብሉ ዕርቂ ምፍጣሩን ኣብ መወዳእታ ኣስታት 43 መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ተሳፊሮም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ታሪካዊ ነይሩ ኢሎም።

ኣብ ተኸተልቲ ሃይማኖት እምነት እስልምና እውን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብ ዝተረኸብሉ ስለ ዕርቅን ስለ ሰላምን ስለ ሓድነትን ኢትዮጵያዊያን ኣመንቲ እስልምና ኣብ ኢትዮጵያ ብዘለዎም ተራ ጎሊኡ ዝተርኣየሉ እዩ ኢሎም።

ኣምባሳስደር ካሳ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ንዘቕረቡዎ ካብ ሓደ ማኪያቶ ሓደ ዶላር ሕቶ ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ንሃገሮም ንምሕጋዝ ምልዕዓላት የርእዩ ኣለው ኢሎም።

ብሞይኦም ሓገዝ ንምሃብ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰብ ሞያ ንባዕሎም ወዲቦም ፕሮፖዛልል ዘቕረቡ ኣለው።ኣብ ቁጠባ ቴክኖሎጂ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣገልግሎት ንምሃብ ዝደልዩ ኣለው።

እቲ ኤምባሲ ከምዚ ዝበለ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ምድላው ኣዋዲዱ ስለዘይፈልጥ ኣወንታዊነትን ዓወትን ጥራሕ ከይኮነስ ቅሬታ ዝተስተውዓለሉ ከምዝነበረ እውን ኣምባሳደር ካሳ ተክለ ብርሃን ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG