ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሃይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ


ድሃይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 1:03:10 0:00

ድሃይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ማይ ዓይኒን ዓዲ-ሓርሽን ኣብ ዝብሃላ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዝረከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንጥምየትን ግፍዕን ተቓሊዖም ከምዘለዉ ብዝተፈላለዩ ዓለም-ለኻዊ ትካላትን ዘቤታዊ ማሕበራትን ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። ኣብዚ ሰዓት`ዚ ካብቶም ስደተኛታት ፡ ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተደኮነ ሓዲሽ መዓስከር ዳባት ብብዝሒ ኣብ ዝሰግርሉ ዘለውሉ እዋን፡ ኣብኡ`ውን ከምዘይጠዓሞምን እኹል ትኹረት ከምዘይረኸቡን`ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ንሎሚ ኣብ ምሕጋዞም ካብ ዝነጠፋ ማሕበራት ንኽልተ ተወኪስና`ለና።
መስራቲ `ሱርባና` ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ኣቶ ጆርጆ ገብረስላሰ፡ ኣተሓባባሪ `ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ` ኣቶ ሃብተኣብ እዮብ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ሓበረታ ከካፍሉ'ዮም።
XS
SM
MD
LG