ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ አካላት ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ዝተልዓለ ውግእ ደው ክብል ይፅውዑ


ፋይል
ፋይል

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ዝተልዓለ ውግእ ደው ክብል ይፅውዑ ኣለው። ውግእ ዳግም ምጅማሩ ከምዘሻቐሎም ዝገለጹ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ቶኽሲ ደው ከብሉ ፀዊዖም።ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እውን ተመሳሳሊ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ከም ብሓዱሽ ዝጀመሮ መጥቓዕቲ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።

ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ፈሪሱ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ትማሊ 18 ነሓሰ ዳግማይ ዝጀመረ ውግእ ኣተሓሳሲቡና ዝበሉ ዓለምለኸ ኣካላት ፃውዒት ሰላም ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ "መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ግጭት ነባሪ ፍታሕን ንሰላም ዘካይዱ ፃዕርታት ክቕፅልሉ ንሓትት’’ኢሎም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ተኣዊጁ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ እቶም ሚንስትር በዚ ኣቢሉ ህውከት ዝነከየን ህይወት ብዙሓት ዘድሓነን ከምዝነበረ ገሊፆም።እቲ ውግእ ዳግም ምልዓሉ ስቓይ ዜጋታት ዘብዝሕ፣ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቁጠባዊ ፀገማት ዘጋድድን ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዝራግ ንዝፅዕሩ ኣካላት ማዕጾ ዝኸፍትን እዩ ኢሎም።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝላዘብ ጉጅለ ምጥያሱን ዘተ ንምክያድ ዘለዎ ድልየትን ንርዳእ ኢና’’ ዝበሉ ብሊንከን ብኣካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐርብ መግብን ነዳዲን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንዝካየዱ ስራሓት ኩሎም ወገናት ከኽብሩዎ ፀዊዖም።

ንሶም ወሲኾም ኣመሪካ ልኡላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ክሕሎ ፅኑዕ መርገፂ ኣለዋ እውን ኢሎም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ወታሃደራዊ ግጭት ዳግም ምልዓሉ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦም ብምግላፅን ብቕልጡፍ ደው ክብል ብምፅዋዕን ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኣካላት ሰላማዊ ፍታሕ ንምምፃእ ዝርርቦም ንክቕፅሉ ኣተሓሳሲቦም።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካቃ ሙሳ ፈቂ ኣብ ኵናት ክልል ትግራይ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘዘንበለ መርገፂ ሒዞም ብዝብል ብተደጋጋሚ ይኸስስ።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ብምሕታት ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ላዕለዋይ ተወካሊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢን ድሕነትን ምኽትል ኮሚሽነር ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል እቲ ኩነታት ናብ ኵናት ቅድሚ ምምርሑ ኩሎም ኣካላት ነቲ ግጭት ከህድኡ ፀዊዖኦም።

ኣባል ዴሞክራቲክ ፓርቲን ናይ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ብምውካል ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካን ዝኾኑ ብራድ ሸርማን ብቲዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ይወስዶ ዘሎ ሓዱሽ መጥቓዕቲ ኣሕዚኑኒ ኢሎም።ተጋሩ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ገጢሙዎም ኣሎ እዚ ሓዱሽ መጥቓዕቲ ዓፀቦ የሕልፉ ዘለው ሚሊዮናት ኣብ ስግኣት ዘውድቕ እዩ ኢሎም።

ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ጀማሪ ናይቲ ሓዱሽ ውግእ ነንሕድ ሕዶም ይካሰሱ።

XS
SM
MD
LG