ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቢይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ከምዝጅምር ተሓቢሩ


ዓቢይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ከምዝጅምር ሚንስተር መስኖን ሓይሊ ኤለክትሪክን'ታ ሃገር ዶ/ር ስለሺ በቀለ ኣፍሊጦም። እቲ ግድብ ኣብዚ ዓመት`ዚ ንክሕዞ ተተሊሙ ዝነበረ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ከምዝሓዞ ድማ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ ሓቢሮም።

ብመሰረት መግለጺ ሚንስትር ማይ መስኖን ሓይሊ ኤለክትሪክን ዶ/ር ስለሺ በቀለ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ክመልእ ጀሚሩ። ድሮ`ውን ናይዚ ዓመት`ዚ ማይ ሒዙ'ሎ። ጽቡቕ ከረምቲ ስለዝነበረ`ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን እቲ ነቲ ነዚ ዓመት ዝተምደበሉ ማይ ክሕዝ ክኢሉ። በዚ ጀሚሪዎ ዘሎ ምምላእ ማይ እንተቀጺሉ ድማ ካብ ንዓመታ 2013 ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኢትዮጵያ ካብ ህዳሴ ግድብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክተመንጩ ክትጅምር`ያ።

"ንታሕቲ ዝሓልፍ ማይ ምሉን ንምሉእ ከየቋረጽና፡ እቲ ማይ እናሕለፍና፡ ነገር ግን ሕጂ ክረምቲ ብምዃኑ ናብቲ መዋህለሊ ዝኣቱ ማይ ልዑል ብምዃኑ፥ ካብቲ ዝወጽእ ንላዕሊ ስለዝበዝሐ እናተዋህለለ ከይዱ፡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክመልእ ክኢሉ:መሊኡ'ውን ክፈስስ ጀሚሩ'ሎ።"

ሚንስተር ዶ/ር ስለሺ በቀለ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፥ ብኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፖሳ ዝተመርሐ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ቪድዮ ኣኼባ ዕውት ምንባሩ ገሊጹ`ሎ። ኣተሓሒዙ ኣብ ቴክኒካውን ሕጋውን ጉዳያት ዝላዘቡ ሰብ-ሞያ ሰለስቲአን ሃገራት፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ወይ ካብኡ ብዙሕ ኣብ ዘይረሓቐ ግዜ ከምዝራኸቡን ኣብቶም ዝተረፉ ነጥብታት ንምስምማዕ ንክሰርሑን እቶም መራሕቲ መምርሒ ምሃቦም ገሊጹ።

"ንኣብነት ኣብ ኣመላልኣ ማይ ኣብ ሓጺር ግዜ ብኹሉ ደረጃ ዝግበር ምምላእ ማይ እንደገና ሓጺር ምይይጥ ተገይርሉ ክዛዘም ኣብ ልዕሊኡ ስምምዕ ክብጻሕን ዝብል ቀዳማይ ኣካይዳ ኮይኑ፡ካልኣይ ድማ ነባሪ ዝኾነ ንመጻኢ ኣጠቓቕማ ማይን ናይቲ ማይ ክፍፍልን ብዝምልከት ድማ ካልኦት ኣማራጺ መንገድታት ክርኣዩ ዝብል ድማ ካልኣይ ውሳነ እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝግበር ልዝባት ክፍትሑ ዝብሉ'ዮም።"

ሚንስተር ስለሺ ብተወሳኺ፥ ግድብ ህዳሴ ነዚ ዓመት ክሕዞ ተተሊምሉ ዝነበረ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ምሓዙን ካብቲ ግድብ ሓሊፉ ክፈስስ ምጅማሩ፥ ከምኡ`ውን እቲ ማይ ናይ ምምላእ ስራሕ ወግዓዊ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ`ሎ።

ግብጺ ኣብ ፈለግ ኒል ዝጸንሓ ናይ ተጠቃምነት መሰል ብዝምልከት ሒዛቶ ዝጸንሐት`ሞ ዛጊት ዓቢይ ብድሆ ስምምዕ ኮይኑ ዝጸንሐ መትከላ ለውጢ ጌራ ድያ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ሚንስተር ማይ መስኖን ኤለክትሪክን ኢትዮጵያ ከምዚ ይብል፥"ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከብ ኩሉ ዘድልዮ ናይ ልምዓት ጉዳይ ብግቡእ ተገንዚቡ፡ ሚዛናዊ ብዝኾነ ደረጃ ልምዓት ክህሉ ኸሎ'ዩ'ምበር፡ ሓደ ዜሮ፡ እቲ ኻልእ ድማ ምሉእ ዝጠቀመሉ ኣካይዳ ከምዘየዋጽእ ግልጺ'ዩ።"

ንዓመታ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ተርባይናትን ጀነረይተራትን ከምዝትከሉ ዝገልጽ ዶ/ር ስለሺ ድሕሪኡ ፈተነ ተገይሩ ናብ ኤለክትሪክ ምምንጫው ከምዝእቶ ኣፍሊጡ'ሎ። ጎኒ ንጎኒ ድማ ናይ 'ቶም 11 ተርባይናት ናይ ሓጺን ምትካል ስራሕ ክስራሕ'ዩ፡ ድሕሪኡ ናብ ካልኣይ ዓመት ማይ ምምላእ ብምስጋር ኣብ መወዳእታ ናብ ምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ክንሓልፍ ኢና ኢሉ'ሎ። ኣብቲ ትማሊ ብመራሕቲ ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ልዝብ ፥ ዝምልከተንን ኣብቲ ስምምዕ ንምሕጋዝን ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፈን ኔረን።

XS
SM
MD
LG