ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ዳይሬክተር ህጻናት ኣድሕን ሕ/ሃ ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ በጺሓን


ዋና ዳይሬክተር ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት(UNICEF) ካትሪን ራሰልስ ብደርቂ ናብ ዝተጠቕዐ ክልል ሶማሌ በጺሓን
ዋና ዳይሬክተር ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት(UNICEF) ካትሪን ራሰልስ ብደርቂ ናብ ዝተጠቕዐ ክልል ሶማሌ በጺሓን

ዋና ዳይሬክተር ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት(UNICEF) ካትሪን ራሰልስ ብደርቂ ናብ ዝተጠቕዐ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ብምብፃሕ ህይወት ሚሊዮናት ቆልዑ ንምድሓን ብዘይ ውዓል ሕደር ቕልጡፍ ናይ ሓገዝ ግብረ መልሲ ክወሃብ ፀዊዐን።

ንሰን ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ድሕሪ ምክያደን ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ሰብኣዊ ህልቂት ንምውጋድ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዙ ከሐይል ኣተሓሳሲበን።

"ፅልዋ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ኣዕናዊ እዩ’’ ዝበላ ሚስ ራሰል "ኣብታ ሃገር ብደርቂ ኣዚዮም ካብ ዝተጠቕዑ ሓደ ክልል ሶማሌ ዝነበሮም ኩሉ ዝሰኣኑ ቆልዑትን ስድራቤትን ረኺበ።እንሰሳታቶም ሞይተን ኣታዊ እውን የብሎምን።ንቆልዑ ዘብልዑዎም ስለዘይብሎም መግብን ማይን ንምርካብ ይጉዓዙ ኣለው።ከይደንጎና ነዞም ስድራቤታት እዚኦም ክንበፅሐሎም ኣለና’’ኢለን።

እተን ዋና ዳይረክተር ምስ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ምኽትል ቀዳማን ሚንስትርን ሚንስትርን ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ሓዊሱ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምርኻበን ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG