ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ የንቋልቁል ምህላው ኦቻ ሓቢሩ


ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ትሕተ-ቕርጽታት ከም ዝዓነዉን ቤት ጽሕፈት ምህውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) ኣፍሊጡ።

እቶም ተፈናቐልቲ ኣብ ውሽጢ ኦሮሚያ ጥራይ ዘይኮነስ ንመዓልታት ተጓዒዞም ኣብ ናብ ክልል ኣምሓራ ብምስጋር ተዓቑቦም ዘለዉ`ውን ብዙሓት ምዃኖም ኦቻ ገሊጹ`ሎ።

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ጥራሕ፡ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰባት ምፍንቓሎም ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ምሕባሮም ኦቻ ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ`ሎ።

ብምኽንያት ብዝሒ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑቕባ ዝሓቱ ተመዛበልቲ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ኽልል ካብ ከባብታት ምብራቕ ጎጃምን ጎንደርን ሓሊፎም፡ ኣብ ጃራን ታርክሽን ዝብሃሉ ኣብ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ወሎ ዝርከቡን መዕቆቢ ተመዛበልቲ`ውን ክኸፍትዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ቤት፡ ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ሓቢሩ`ሎ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ምዕራብ ኦሮሚያን ኣሶሳን ዝወስድ ጽርግያ ብምዕጻዉ ድማ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ንምሕጋዞም ኣጸጊሙ ከምዘሎ`ውን ኦቻ ወሲኹ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG