ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ዞባን ዓለምለኸን መድረኻት ዝጀመረቶ ኣበርክቶ ዝነአድ`ዩ ዝበለ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ግን ስኽፍታ ከምዘሎ ገሊጹ


ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ
ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ

ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻውን ዞባውን መድረኻት ዳግም ትትስእ ዘላ ሃገር`ያ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ቲቦር ናጅ ኣብ መግለጺኡ፡ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ካብ ፅንፋዊ ህውከት ነፃ ኮይኖም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ንኻልኦት ኣብነት ክኸውን ብዝኽእል ደረጃ ንስግኣት ሽበራ መኪታ እያ ኢሉ።

ኤርትራ ከምቲ ኣብ ሶማል፣ኣብ ደቡብ ሱዳን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ዝተጻወተቶ ናይ ሽምግልና ተራ፡ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ኣበርኽቶ ክትገብር ትኽእል እያ ዝበለ ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ግን ስኽፍትኡ ገሊጹ`ሎ። ንሱ ነዚ ዝበለ ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪካ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምስክርነት’ ዩ።

ኣቦ ወንበር እቲ ንኡሱ ኮሚቴ ኮንግረስማን ክርስቶፈር ክሪስ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፀ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንኽመፅእ ዘተባብዕ `ዩ ኢሉ`ሎ።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብደረጃ ምኽትል ሚንስተር ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ቲቦም ናዢ ኣብ ዋሽንግተን ንዝተኣከበ ምስማዕ ቃል ምስክርነት ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪካ ኮንግረስ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ግጭት ብሰላም ንኸብቅዕ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝወሰዱዎ ተበግሶ ብዝለዓለ ተመስጦ ከምዝተቐበሉዎ ገሊፆም።እቲ ሰላም ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዳግም ክትስእ ዕድል ዝሃበ እዩ ኢሎም።

“ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጥረ ሰላም ናብ ካልእ ዘደንቕ ክስተት መሪሑና’ሎ።ዳግመ ምትሳእ ኤርትራ ናብ ዓለምለኻውን ዞባውን መድረኻት ብመንፅር ዞባዊ ሰላም ንኣሜሪካሓያሎ ዕድላት ሒዙ ይመፅእ ኣሎ።”

ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ናዢ ኤርትራ ንካልኦት ትምህርቲ ዝኸውን ዝበሉዎ ምምካት ሽበራዊ ስግኣት ከምዚ ኢሎም።

“ኤርትራ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ካብ ፅንፋዊ ህውከት ነፃ ኮይኖም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ንኻልኦት ኣብነት ክኸውን ብዝኽእል ንስግኣት ሽበራ መኪታ እያ።ኤርትራ ከምቲ ኣብ ሶማል፣ኣብ ደቡብ ሱዳን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ዝነበራ ናይ ሽምግልና ተራ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ኣስተዋፅኦ ክተበርክት ትኽእል እያ።”

ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ቲቦር ናዢ ኣብ ኤርትራ ዘለዎም ስኽፍታታት እውን ዘርዚሮም ኣለው።

‘’ኤርትራ ብፖለቲካዊ ተበግሶ ንብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ኤምባሲና ኣሲራ ትርከብ’’ዝበሉ ንሶም ብዛዕባ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ኣሜሪካዊያን እውን ስኽፍታቶም ከምዝገለፁ ሓቢሮም።

ኤርትራ ምስ ሰሜን ኮሪያ ጣቋ ዘለዎ ርክብ ከምዘይብላ ብተደጋጋሚ እንተገለፀት እውን ኣብ መንጎ ኤርትራ ሰሜን ኮሪያን መሸጣ ኣፅዋር ነይሩ ንዝብል ፀብፃብ ክኢላታት ሕቡራት መንግስታት ኤርትራ ምሉእ መብርሂ ኣይሃበትን ክብሉ ኸሲሶም።

“ሰፊሕ ስክፍታት ሰብኣዊ መሰላት፣ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ብሃበ ተረኸብ ማእሰርቲ ሃይማኖታውን ፖለቲካዊ መራሕቲ፣ጥቡቕ ቁፅፅር መንግስታዊ ስርዓት፣ንናይ ምትሕብባር ኣድማስና ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኮነ ኢላ ምስ ኤርትራ ፅምዶ ኣካይዳ’ላ።ዕድልን ስግኣትን እናርኣና ፅምዶና ክንቕፅለሉ ኢና።ካብ ሰላም ብዙሕት ዝተረኸብ’ዃ እንተኾነ ፕሬዝዳንትናን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢን ብዕሊ ከምዝበሉዎ ተወሳኺ ስጉምቲ የድሊ እዩ።”

ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ምስ ምፍጣረን ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ናይ ግዱድ ወታደራዊ ኣገልግሎት ክቕፅል እንተኾይኑን ምስ ኣሜሪካ ዘሎ ርክብ ተመሓይሹ እንተኾይኑን ኣባል ኮንግረስ ኬረን ባስ ሕቶ ኣቕሪበናሎም ነይረን።

‘’ኤርትራ ምስ በዝሒ ህዝባ ዘይመጣጠን ኣብ ኣፍሪካ ድልዊ ዝኾኑ ዝለዓለ በዝሒ ወታደራ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ብምዃን ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ንኢትዮጵያ ከም ምኽንያት ገይራ ተጠቒማትሉ እያ’’ ድሕሪ ሕዚ ምኽንያት ኣይኸውንን ንምዕባለታት ብቐረባ ክንከታተሎ ኢና ኢሎም።

ኣብቲ ዞባ ዝተፈጥረ ኣውንታዊ ምዕባለ ንኣፍሪካ ምክትታል ካብ ዝጅምር 40 ዓመታት ከምዚ ዝበለ ስግግር ኣይራኹን ዝበሉ ንሶም ርክባት ዩናይትድ ስቴትስን ኤርትራን ብዘደንቕ ተመሓይሾም ኣለው፤ሕዚ ናብ ጭቡጥ ስጉምትታት ንስገር ኢሎም።

“ኤርትራ ፅቡቕ ብምዝራብን ምስ ጎረባብታ ርክባት ብምምሕያሽን ሽዑ ንሽዑ እገዳ ክልዓል እዩ ኢላ ኽትፅበ ኣይትኽእልን።ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰዱ ኣለዎም።ብርግፅ ክብሃሉ ዝግብኦም ግን ኸኣ ብካልኦት ዘይደፈሩን ሪኢቶታት እናሃብና ፅምዶና ብዝለዓለ ክቕፅልን እዩ።”

ሪፓብሊካዊ ኣቦ ወንበር ንኡስ ኮምቴ ጉዳያት ኣፍሪካ ክሪስቶፈር ስሚዝ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ለውጢ ክትገብር ኣለዎ ከምቲ ገሊኦም ዝግምትዎ ልዕሊ 10 ሽሕ እሱራት ንዘለዋ ኤርትራ ለውጢ ንምግባር ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም።

“እታ ሃገር እዚ እንተድኣ ገይራ ናይ ኣሜሪካ ስትራተጂያዊት ምሓዛ ክትኸውን፣ኣብ ተልእኾ ምዕቃብ ሰላም ኣበርኽቶ ክትገብር ብዘኽእላ ወታደራታ ፕሮፈሽናል ክኾኑ ይኽእሉ እዮም’’ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG