ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልተ ተመቒላ ዝጸንሓት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሓቢራ


ንልዕሊ 27 ዓመታት ኣብ ኽልተ ተገማሚዓ ዝፀንሐት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክልተ ሲኖዶስ ሓቢረ።ብፁእ ኣቡነ ቅዱስ ማቲያስ ንቅድስት ቤተ ክርስትያን ክመርሑዋ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሪዮስ ድማ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብደረጃ ፓትሪያሪክ ፀሎትን ቡራኬን ከብፅሑ ተሰማሚዖም ኣለው።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ስምምዕ ነቲ ናይ ሓባር መግለፂ ዘንበቡ ንብፁእ ኣብርሃም ሰለሞን ኣባተ ኣዘራሪቡዎም ኣሎ ገብረ ገብረመድህን ከቕርቦ እዩ።

መራሕቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወፃእን ናይ ዝርከቡ ሲኖዶሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምኡ’ውን ኣመንቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት ትማሊ ሓሙስ ዋሽንግተንድ ዲሲ ኣብዝርከብ ደብረምህረት ቅዱስ ሚካኤል ሓባራዊ ቅዳሴ፣ፀሎትን ምስጋናን ምስ ኣኽበሩዎ ናይ ሓባር መግለፂ ኣውፂኦም።

ነቲ መግለፂ ዝነበቡ ብፁእ ኣቡነ ኣብርሃም ኣብዝሃብዎ ቃል እታ ቤት ክርስቲያንን ምእመናን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ናይ ካልእ ሽምግልናን መንጎኝነትን ናብ ሓደ መፂኢና ኢሎም።

ኽልቲኦም ወገናት ኣጀንዳታት ሒዞም ከምዝቐረቡን እቶም ኣጀንዳታት ናብ ሽዱሽተ ኣጀንዳታት ብምፅማቕ ጉዳይ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሪዮስ፣ቅድሚ ምፍልላይ ብዛዕባ ዝነበሩ ነባራት ሊቃነጳጳሳት፣ድሕሪ ምፍልላይ ዝተሾሙ፣ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፣ውግዘትን ኣብ ወፃኢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ከምእትመሓደርን ዝብሉ ምዃኖም ገሊፆም።ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ዝነበሩ ብፁእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብዝምልከት ከምዚ በሉ።

“ብዛዕባ እቶም ፓትሪያሪክ ዝምልከት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብደርጃ ፓትሪያሪክነት ደረጃን ክብርን ናብ ሃገሮም ክምለሱ።ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ ድማ ናይ ስራሕ ብፅሒቶም ፀሎትን ቡራኬ ምብፃሕ ክኸውን፣ኣብ ውሽጢ መንበረ ፓርቲያሪክ ገዛ ተዳሊይሎም ኩሉ ዘድልዮም ተማሊኡሎም ብኽብሪ እናባረኹን እናፀለዩን ክነብሩ ዝብል እዩ። “

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ድማ ከምዚ ኢሎም።

“ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ብዝምልከት ብመሰረት ሕገ-ቤተ ክርስቲያን መሰረት ንቅድስት ቤት ክርስቲያን ንክመርሑ፣ንክባርኹ፣ንኽፅልዩን ብምሉእ ሓላፍነት ክሰርሑን እዮም።ክልቲኦም ቅድሳን ፓትሪያሪካት፤ ፓትሪያሪካት ስለዝኾኑ ዘመን ክሳብ ዝስዓር ብኣፈላላይ ከይንኸይድ፤ ሃይማኖት ስለዘይምሓየሽ ንቆነና ቤት ክርስቲያን ግን ብምምሕያሽ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ቅድስት ኣብያተ ክርስትያንን ብኽብሪ ሽሞም እናተፀውዐ ክንበሩ እዩ ተወሲኑ ዘሎ።

“ቅድሚ ምፍልላይ ብዛዕባ ዝተሸሙ ጳጳሳት ብኽልቲኡ ወገናት እቲ ውግዘት ተላዒሉ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ከከም ድልየቶም ከገልግሉ ንክሰርሑ ተወሲኑ’ሎ።”

ሓቢርና ዝፀለና እውን እቲ ውግዘት ብኽልቲኡ ወገን ስለዝተልዓለ ኢሎም ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣብርሃም።ድሕሪ ሕዚ ክልተ ዝብሃል ኣይህልውን፤ኣብቂዑ’ሎ ኢሎም።

“ብዘይ ጥርጥር ካብዛ ስዓት እዚኣ ጀሚሩ ናይ ውሽጢ፣ናይ ወፃኢ ዝብሃል ሲኖደስ የለን።ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ካብ ኣፅናፍ ክሳብ ኣፅናፍ ሓደ ናይ ኢትዮጵያ ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖደስ ይህልዋ።ካልእ ካልኣይ ሳልሳይ ዝብሃል ቅጽል የለን፤እዚ ተደምዲሙን ኣብቂዑን ኣሎ።”

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ እታ ቤተ ክርስቲያን ዕርቂ ምፍጣራ ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ ቤተ ክርስቲታን ኦርቶዶክስ ዝሓበረት እንትኸውን ፀገም ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ክሳዕ ክንዲዚ ኣይመተናውሐን ነይሩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG