ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 150 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ካብ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ሶማል ምስ ዝፍጸም መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 150 አብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጽወን ዝተዘረፈን ብምኳኑ ኣገልግሎት ምምሃር ምስትምሃር ተቋሪጹ ክብሉ ካብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ትምህርቲ ክልል ኦሮምያ ዶ/ር ቶላ በርስ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

እዚ ምስቶም ካብ ጂጂጋ ተመዛቢሎም ዝመጹ ተማሃሮ ክድመር ከሎ 65 ሽሕ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ተዓናቒፉ’ሎ ክብሉ እውን ገሊጾም።

ካብ ጂጂጋ ካብ ዝመጹ ተማሃሮ እቶም 22 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮ ብዝተፈላለዩ ምክንያት ሕጂ’ውን ናብ ትምህርቲ ኣይተመለሱን ክብሉ ዶ/ር ቶላ በርስ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 150 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:15 0:00

XS
SM
MD
LG