ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ብዝተላዕለ ግጭት ብዓሰተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተወስደ ምስሊ
ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተወስደ ምስሊ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ ከማሼ ብፍላይ ድማ ቡሎይን ጅጋንፎይን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብዝቐፀለ ግጭት ልዕሊ 72 ሽሕ ሰባት ምዝንባሎም ኣብ ነቀምት ዝርከቡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ወለጋ ገሊጾም።ንሶም ብተወሳኺ ዝተወደበን ዝተዓጥቐን ሓይሊ ትማሊ ከቢድ መጥቓዕቲ ብምኽፋት ብወገን ክልል ኦሮሚያ 23 ሰባት ምሟቶም ሓቢሮም ኣለው።

ምኽትል ኣማሓዳሪ ክልል ቤንሻንጉል ኣቶ ኣበራ ባይታ ብወገኖም ሰባት ምዝንባሎም ብምሕባር እቲ ኣሃዝ ግን ዝተጋነነ እዩ ኢሎሞ ኣለው።ብወገን ቤንሻንጉል 31 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ውን ሓቢሮም።

ናይ ኣካል ጉድኣት ዝወረዶም ከምዘለውን ብዙሓት መንበሪ አባይቲ ከምዝነደዱን ክልቲኦም ክልላት ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG