ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ደብረ ማርቆስ ብዘጋጠመ ዕግርግር ኣብ ንብረት ምዕናው ተገሊጹ


ደብረ ማርቆስ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ዕግርግር ዝተፈጠረሉ ሆቴል
ደብረ ማርቆስ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ዕግርግር ዝተፈጠረሉ ሆቴል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ማርቆስ ሎሚ ረቡዕ ብዝተለዓለ ዕግርግር ኣብታ ከተማ ዘመናዊ ኣብ ልዕሊ ዝበሃል ሆቴል ሓዊሱ ኣብ ንብረት ዕንወት ወሪዱ።

ነባር ኣባል መሪሕነት ኢህወዴግ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ምግባሩ ከበደን ዝተበሃሉ በዓል ስልጣን ናይቲ ክልልን ኣብታ ከተማ ብሕቡእ ንህዝቢ ኣኪቦም ዝብል ናይ ሓሶት ዜና ምኽንያት ብምግባር መናእሰይ ኣብ ልዕሊ እቲ ሆቴል ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዱ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርትን ወሃብቲ ቃል ናይቲ ዞባን ናይቲ ክልልን ገሊፆም ኣለው።

ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብቲ ሆቴል ከምዘይነበሩን ኣቶ ምግባሩ ከበደ ድማ ኣብ ባህር ዳር ይካየድ ኣብዘሎ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ናይቲ ክልል ኣብ ምስታፍ ስለዝርከቡ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ናይቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣቶ ሽፈራው ኣየሌን ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ልዕሊ መካይንን ካልኦት ንብረትን እውን ናይ ምቅፃል ሓደጋ ከምዝወረደን እቲ ወጥሪ ኣማሲዩ እውን ብምቕፃሉ ሓይልታት ፀጥታ ንቶም ዝተኣከቡ ንምብታን ተኹሲ ምኽፋቶም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ኣቶ ሽፈራው ገሊፆም ኣለው።።

XS
SM
MD
LG