ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ አሶሳ ብዝተፈጥረ ግጭት 4 ሰባት ሞይቶም


አሶሳ ከተማ
አሶሳ ከተማ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ከተማ አሶሳ ሎሚ ብዝተፈጥረ ግጭት 4 ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ናይቲ ክልል ቴሌቭዥን ግን ሓደ ሰብ ጥራይ ምሟቱ ገሊጹ’ሎ።

ብተወሳኺ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከምዝቆሰሉ ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ሎሚ ኣብ አሶሳ ዝተፈጥረ ግጭት አብ መንጎ መቦቆሉ ኣብቲ ክልል ዝኾነ ብሄረሰብን ተሓናፊጾም ዝነብሩ ብሄረሰባት ምዃኑን ፖሊስ’ቲ ክልል ምስ’ቲ ሓደ ወገን ብምዃን ተኹሲ ከፊቱልና ክብሉ ተዛሪቦም አለው።

መንግስቲ’ቲ ክልል ምስ ካብ ፈደራል ዝመጹ አካላት ጸጥታትን ዓበይቲ ዓድን ይዘራረቡ ኣለው ክብሉ እውን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG