ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ደርቂ 7.8 ሚልዮም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከምዘለው ተሓቢሩ


ናይ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ነናብ ምምሕዳሮም ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም ካብኣቶም ነናብ መንበሪኦም ተመሊሶም’ዮም ክብሉ ኣመራርሓ’ቲ ኮሚሽን ሓቢሩ’ሎ።

ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ደርቂ ቁጽሪ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት 7.8 ሚልዮን ከምዝበጽሓ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ’ሎ። ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤንሻንጉል ብዝተፈጥረ ግጭት ንዝተመዛበሉ ንምሕጋዝ’ውን ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተፈጥረ ግጭት 91,348 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ምግላጹ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብተፈጥሮን ሰብ ሰርሖ ሓደጋ ልዕሊ 8 ሚልዮን ዜጋታት ጉድ ኣት ከምዝበጽሖምን ረ ኤት ከምዘድልዮምን ነዚ’ውን ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር ከምዘድልይ ክግለጽ ጸኒሑ’ዪ ንዝብል ሓበሬታ ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ሃገራዊ ስግኣትን ሓደጋን ኣቶ ደበበ ዘውዱ ብሰንኪ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዝተመዛበሉ ሰባት ብዝተ ሰባት እዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG