ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዲስ አበባ ብዝተላዕለ ጎንጺ ሓደ ሰብ ሞይቱ


ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ብሰንኪ ባንዴራ ዝተፈላለየ ውድባት ትማሊን ሎሚን ጎንጺ ከምዝተፈጥረ ነበርቲን ፖሊስን ኣፍሊጦም።

እቲ ጎንጺ ዝተላዕለ ንኣመራርሓ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ንምቅባል ኣብ ዝነበረ ምድላው ኣብ ኣሰቃቅላን ኣለኻኽያን ሕብሪን ባንዴራ ውድባት ዝተላዕለ ተቓውሞ መንእሰያትን ምኻኑን ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተረኽበ ሓበሬታ የብርህ።

በቲ ጎንጺ ሓደ ሰብ ብእምኒ ተወቒዑ ከምዝሞተ ፖሊስ አረጋጊጹ’ሎ። ግንባር ነጻነት ኦሮሞ በቲ ተግባር ከምዝጎሃየ ገሊጹ። እቲ ዝተጀመረ ለውጢ ብኣሉታ ከይጽለው ንምክእኣል ክህልው ኣለዎ እውን ኢሉ’ሎ።

ጉዳይ ባንዴራ ዝያዳ ዘኽርሩ ካብቶም ዝመጹ ፓርቲታት ንላዕሊ እቶም ምክፍፋል ዝደልዩ ሓይልታት’ዮም ክብሉ’ውን ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ አዲስ አበባ ብዝተላዕለ ጎንጺ ሓደ ሰብ ሞይቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:58 0:00

XS
SM
MD
LG