ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ጎጃም ንምርምር ካብ ዝኸዱ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ክልተ ተቐቲሎም


ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዶክትሬት መዛዘሚ መፅናዕቶም ንምክያድ ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቆለላ ከተማ ኣዲስ ኣለም ዝተጓዕዙ ሰባት 13 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ብዝተፈፀሞም መጥቓዕቲ ክልተ ተቐቲሎም ካልእ ሓደ ቆሲሉ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ገሊጾም።

እቶም ተማሃሮ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንምርምር ዝኸውን ናይ ሽንትን ሰገራን መርኣያ /ሳምፕል/ እናወሰዱ ከለው ‘’ሰለስተ ተማሃሮ ሞይቶም’’ ዝብል ናይ ሓሰት ወረ ብምዝርግሑ ብቑጥዐ ዝመፁ መናእሰይ ብእምንን በትርን ጨፍጪፎም ከምዝቐተሉዎም ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣቶ ኣንማው ዳኛቻው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።ከምቲ ወረ ዝሞተ ሰብ የሎን ኢሎም።

“ብሰንኪ ስምዒታዊ ዝኾኑ ሒደት መናእሰይ ንሳልሳይ ድግሪ መፅናዕቲኦም ንምክያድ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ መርኣያ ሳምፕል ይወስዱ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ሞትን ሓደ ናይ ምቑሳል ጉድኣትን ኣብ ካልኦት ናይ መኪና ምቅፃልን ሓደጋ ወሪዱ’ሎ።”

ህይወቶም ዝሓለፉ ወሰን ታፈረን ማንደፍሮ ኣብዲን ዝተብሃሉ ተወለድቲ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ኣንማው:ኣቶ ሃይለየሱስ ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ላብራቶሪ ቆሲሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።ነዚ ፈፂሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 30 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG