ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኣምሓራን ቅማንትን ብዝተላዕለ ግጭት ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ መተማ ምእታው ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ጎንደር ኣብ መንጎ ኣምሓራን ቅማንትን ትማሊን ሎሚን ዝተላዕለ ግጭት ንምርግጋእ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ መተማ ከምዝኣተወ ናይቲ ክልል መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ምክልኻል ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሕድ ሕድ ሰባት ከምዝሞቱ አባይቲ ከምዝነደደ ክልቲኦም አካላት ኣፍሊጦም : እንተኾነ ግን ኣሃዛዊ መረዳእታ ኣይሃበን።

ብኻልእ ወገን ብሶሉስ ኣብ ምዕራብ ጎንደር ዞባ ገንዳውሃን ኮኪትን ሰራዊት ምክልኻል ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶምን 17 ምቁሳሎም ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ ይኹን ደአ እምበር ናይ መን ጥይት ነቶም ሰባት ከምዝቐተለ ገና ኣየረጋገጽናን’ውን ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ደሕነትን ክልል ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል አሳምነው ጽገን ምክትል ኤታ ማጆር ሹም ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ሰራዊት ምክልኻልን ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ድምጺ ኣሜሪካ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG