ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ ኹናት ወጥረት ብወግዒ ደው ንምባል ስምምዕ ተፈሪሙ


ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ ኹናት ወጥረት ብወግዒ ደው ንምባል ስምምዕ ተፈሪሙ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አቶ ፍጹም አረጋ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መግለጺ ሓባራዊ ስምምዕ ሰላምን ሕውነትን ተባሂሉ ከምዝተሰየመን ብኽልቲኦም መራሕቲ ከምዝተፈረመ ሓቢሮም።

እቲ ስምምዕ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ክልቲኦም ሃገራት ብሓባር ክርብሓሉ ዝኽእላ ዕድል ከምዘምለጠን እዚ ድማ ክቅየር’ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG