ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ሓረስቶትን ሱዳናዊያን ዕጡቓትን ኹናት ምክያዱ ነበርቲ ገሊጾም


ሆስፒታል መተማ
ሆስፒታል መተማ

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን “ደለሎ ቁጽሪ 4” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ሕርሻ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊያን ሓረስቶትን ዕጡቓት ሱዳን ኹናት ምኽያዱ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ተዛሪቦም።

ካብ ሆስፒታል ዝተረኽበ ሓበሬታ ኸአ ዝቆሰሉ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይመጹ ከምዘለውን በቲ ኹናት ዝሞቱ ሰባት ከምዘለው’ውን ይሕብር።

ኣብ ደቡብ ጎንደር ከተማ ገንደወሃ ዝርከቡ ድምጺ ኣሜሪካ ብቴሌፎን ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ምስ ሱዳን ካብ ዘዳውብ ቦታታት ሕርሻ “ደለሎ ቁጽሪ 4” ዝበሃል ቦታ ዝነብሩ ሓረስቶት ካብ ወገን ሱዳን መጥቓዕቲ ከምዝኸፈትሎምን ድሒሩ ውግእ ምጅማሩን ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ገንዳውሃ ሆስፒታል መተማ ምስቶም ዝቆሰሉ እየ ዘለኹ ዝበለ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ደለሎ ቦታ ሕርሻ ከምዘለዎምን እቲ ግጭት ኣብቲ “ደለሎ ቁጽሪ 4 “ ዝተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG