ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ናይ ጅምላ ማእሰርቲ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ


ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ናይ ጅምላ ማእሰርቲ ከምዘሻቀሎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ከኽብር ጸዊዑ።

ፈደራል ፖሊስ’ታ ሃገር ብወገኑ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ ጅምላ ማእሰርቲ ዘይኾነ ብገበን ዝተጠርጠሩ ተፈልዮም ዝተረፉ ዝፍትሕሉ መስርሕ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ዝኾኑ ኣቶ ፈሰሃ ተኽለ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ትካሎም እቲ ኩነታት ማእሰርቲ ከምዘሻቀሎ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG