ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሲፒጄይን ኢትዮጵያ ናብ ናይ ቀደም ዓፈና ከይምለስ ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም


ኢትዮጵያ ናብ ናይ ቀደም ዓፈና ከይትምለስ ስግኣት ከምዘለዎም ክልተ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ገሊፆም።እተን ትካላት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ሓሳቦም ንዝገለፁ ሰባት ቅድሚ ሎሚ ይንቀፍ ብዝነበረ ሕጊ ፀረ-ሽብር ምእሳር “ብናይ ድሕሪት ማርሽ ንመኪና ንቕድሚት ከም ምዝዋር እዩ’’ ኢሎምዎ ኣለው።

ንደሕንነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኸ ትካል ሲፒጄይ(CPJ) ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታትን ብዝተፈላለዩ ኣገባብ ሓሳቦም ኣብ ምግላፅ ዝርከቡን ሰባት ምእሳሮም ነቒፉ።ሲፒጄይ ወሲኹ ኣብ ለውጢ እትርከብ ኢትዮጵያ ንናፃነት ፕረስ ንምዕፋን ዝኣረገ ሜላ ትጥቀም ኣላ ኢሉ’ሎ።ኣብቲ ትካል ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ቀርኒ ኣፍሪቃ ሞቶኪ ሙሞ ዘለወን ስኽፍታ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፀን።

“ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዝተራእዩ ንመፃኢ ኩነታት ናፃነት ፕረስ ኣፀጋሚ ዝገብሩ ኢልና ዝፈለናዮም ጉዳያትን ኣብቲ ፀብፃብ ብዝርዝር ሓቢርና ኣለና።እዞም ኣካይዳታት ብምምሕዳር ቀዳማይ ሚንስትር ኣሕመድ ዝተጀመሩ ሰናይ ተግባራት ንድሕሪት ከይመልስዎ ስግኣትና ገሊጽና ኣለና።”

ሞቶኪ ሙሞ እቲ ፀብፃብ ኣብ ግንቦትን ሰነን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ኩነታት ከምዝሓዘን ብምግላፅ ብተደጋጋሚ ምዕፃው ኢንተርኔት ንዋሕዚ ሓበሬታ ብምዕንቃፍ ንናይ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ ናጽነት ብምድራት ነቲ ኩነታት ብዝበለፀ ዘተሓሳስብ ገይሩዎ ኢለን።

ምዕፃው ኢንተርነት ስዒቡ 15 ሰነ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈፂሙ ዝተባህለ ፈተነ ዕልዋ መንግስትን ቕንፀላ ሰበስልጣንን ተታሓሒዙ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ናይ ሽብር ሕጊ ተጠቒሱ ቖፅሮ ተታሒዝሎም ኣሎ ኢለን።

መንግስቲ ንጋዜጠኛ ‘ኣሃዱ ሬድዮ’ ኣሲሩ ከምዝፈትሐ ብምዝኽኻር ሕጂ ድማ ሪፖርተራት ‘ኣስራት ቴሌቪዥን’ ከምዝተኣሰሩ ገሊፀን።ሲፒጄይ ንኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሓላፊት ፕረስ ቢልለኔ ስዩም ኣዘራሪቡ ተፈቲኑ ምስ ዝተባህለ መፈንቅለ መንግስቲ ብዝተኣሳሰረ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር ጋዜጠኛታት ብሞይኦም ኣይተአሰሩን ምባለንን ብምንታይ ከምዝተኣሰሩ ከምዘይተነግሮም እውን ወሲኸን ገሊፀን።

ብተመሳሳሊ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ይወስዶ ብዘሎ ስጉምቲ እታ ሃገር ንድሕሪ ከይትምለስ ስግኣት ኣለኒ ክብል መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብቲ ትካል ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀመ ቕትለት ስዒቡ መንግስቲ ንኣስታት 200 ሰባት ምእሳሩ ገሊፆም።

ካብ መንጎ ዝተኣስሩ ኣባላትን ደገፍትን ውድብ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራን ናይ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ሰብ ሕድርን ካልኦት ዜጋታትን ከምዝርከቡዎም ዝገለፁ ኣቶ ፍስሃ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ፖሊስ ንሕጊ ፀረ-ሽብር ብምጥሓስ ጠርጢረዮም ኣለኹ ምባሉ ገሊፆም።እቲ ኣዋጅ ንሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዘየኽብር መንግስቲ ቅድም ክብል ከም መግሃሲ ሰብኣዊ መሰላት ይጥቀመሉ ዝነበረ እዩ ኢሎም።

“ክቕየር እዩ ተባሂሉ ዝተመሓየሸ ሕጊ ናብ ፓርላማ ኣትዩ’ሎ እሞ ኣብዚ ኩነታት መንግስቲ ነዚ ኣዚዩ ዝተነቐፈ ሕጊ መሊሱ ነዞም ሰባት ንምእሳርን ቆፅሮ ንምትምሓዝን ምጥቓሙ ዝተመሓየሸ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣእትዩ ንድሕሪ ዝመልስ እዩ።”

ኣቶ ፍስሃ ኣተሓሕዛ እሱራት እውን ዘተሓሳስብ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩነታት ኢትዮጵያ ‘’ንድሕሪት ብዝወስድ ማርሺ ንመኪና ንቕድሚት ከም ምዝዋር እዩ’’ ክብሉ ገሊፆምዎ።መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG