ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀምረ ለውጢ ክትድግፍ ኣለዋ ክብሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ጸዊዖም


ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ሚንስተር ቲቦር ናዢ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክባት ከተሐይል ኣለዋ ኢሎም ።ኣባል ባይቶ ኣሜሪካን ኣቦ ወንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃን ክሪስቶፈር ስሚዝ እውን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓገዝ ኣሜሪካ የድልዮም እዩ ኢሎም።ክልቲኦም ነዚ ዝገለፁ ንኩነታት ኢትዮጵያ ንምስማዕ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮንግረስ ኣብዝተዳለወ ኣኼባ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ተሓባባሪ ሚንስተር ቲቦር ናዢ ኣብ ዋሽንግተን ንንኡስ ኮሚቴ ኮንግረስ ኣሜሪካ ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብዘስምዕዎ ቃለ ምስክርነት ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ለውጢ ትርከብ ኣላ ኢሎም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ 2 ሚያዚያ 2018 ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኖም ካብ ዝምዘዙ ንድሓር ንኹሉ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝትንክፉ ጉዳያት ለውጢ ኣበጊሶም እዮም።ቅድሚኦም ዝነበረ መንግስቲ ዘይፈትሖም ጉዳያት ብዕቱብ ምግጣሞም ዓብዪ ሞሳ ይግብኦም።”

ትፅቢት ኢትዮጵያዊያን ዝለዓለ ምዃኑ ዝሓበሩ ቲቦር ናዢ ሓገዝ ኣሜሪካ ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።

“ትፅቢት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘገርም ኣዚዩ ዝለዓለ እዩ።መብዛሕትኦም ኸኣ መናእሰይ እዮም።ኣስታት 70 ሚሊዮን ሰባት ዕድሚኦም ትሕቲ 30 ዓመት ምዃኑ ንግምት።መብዛሕትኦም ብሰንኪ ብልሽውናን ቁጠባዊ ዕድላትን ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ተሳቲፎም እዮም።”

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዝነኣዱ ተሓባባሪ ሚንስተር ጉዳያት ኣፍሪካቃ ናዢ ብዝለዓለ እምነት ተቐቢልናዮ ኢሎም።

“ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ን20 ዓመታት ዝነበረ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከብቅዕ ብሓባር ንምስራሕ ዝወሰዱዎ ተበግሶ ብልዑል ጠመተ ኢና ተቐቢልናዮ።ሳዕቤን ናይቲ ግጭት ንምፅጋን ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ኸኣ ኣብ ከባቢታት ዶብ ገና ዝስራሕ ኣሎ።ንሰላም ዝድግፍ ብኽልቲኡ ወገን ሓያል ስምዒት ከምዘሎ ግን ርኢናዮ ኣለና።ክልቲኦም መንግስታት ኣብቲ ከባቢ ዝፈጥሮ ኣወንታዊ ውፅኢት ኣድላይነቱ ኣስሚሮምሉ እዮም።”

HR-128 ብዝብል ሽም ዝፅዋዕን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክመሓየሽ ዝጽውዕ ረቒቕ ሕጊ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ብምቕራብ ዝፍለጡ ሪፓብሊካዊ ኣባል ኮንግረስ ክሪስቶፈር ስሚዝ እውን ምስክርነቶም ገሊፆም ኣለው።ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ብምብፃሕ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ከምዝተራኸቡ ብምግላፅ ከምዚ በሉ።

“ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣባል ኮንግረስን ኬረን ባስን ኣነን ናብ ኢትዮጵያ ከይድና ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ተራኺብና።ሓደ ዝተዓዘብኩዎ፣ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ርእየዮ ዘይፈልጥ ዝለዓለ ድልየት ለውጥን ተስፋን እዩ።እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ፍርቂ ዓመት ኣብዘይመልእ ግዜ ብዘምፅኡዎ ለውጢ ናእዳን ምትብባዕን ይግብኦም እዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ትፅቢት ዝለዓለ ምዃኑ ኣባል ኮንግረስ ስሚዝ ሓቢሮም።

“ክንርስዖ ዘይብልና እቲ ትፅቢት እናዓበየ እዩ መፂኡ።ንሶም ዝጀመሩዎ ለውጢ ክቕፅል ኣለዎ።ንኣብነት ኣብ 2009 ዝፀደቐ ክፉእ ኣዋጅ ማሕበራትን ግብረሰናይን ሕጊ ፀረ ግብረሽበራን ሎሚ እውን ኣብ ቦቱኡ ኣለው።ሕጋዊ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብን ፖለትካዊ መደረን ንምዕፋን ዝተፈጥሩ እዮም።ኣነን መሳርሕተይን ዘዘራረብናዮም ብዙሓት እሱራትን ግዳያት መስቀይትን ዝነበሩ ሎሚ እውን ፍትሒ ይሓቱ ኣለው።ኣሕሊፍናዮ ኢሎም ዝገለፅዎ ስቅያት ፍፁም ዘስካሕካሕ እዩ።ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝርከቡዎም ብተደጋጋሚ ዝሰማዕናዮ ነገር ነታ ሃገር ንቕድሚት ንምስጓም መስርሕ ሓቅን ዕርቅን ከምዘድልይ እዩ።”

ኣባል ኮንግረስ ካረን ባስን ካልኦት ኣጋይሽን እውን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ምዕባለታት መደረ ኣስሚዖምን ንሕቶታት እውን መሊሶም ኣለው።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢኣሜሪካ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ተሓባባሪ ሚንስተር ቲቦር ናዢ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተርኣየ ኣወንታዊ ምዕባለታት ብምድናቕ፣ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ዝተፃወተቶ ኣውንታዊ ተራን ዳግም ምቅልቓል ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባውን መድረኻት ዝፈጥሮ ዕድላት ከምኡ እውን ኣሰካፊ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ናይታ ሃገር ብዝምልከት ዝተዛረቡዎ ፅባሕ ክነቕርቦ ኢና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG