ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ብብዝሒ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ


ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሹድሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብበዝሒ ተመዛበልቲ ንሶሪያ ከምዝበለፀታ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዝከታተል IDMC ዝተበሃለ ዓለምለኸ ትካል ኣፍሊጡ።

ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገራት ብበዝሒ ካብዘለወን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንዝመዛበሉ እናተኸታተለ ዝፅብፅብን ቤት ፅሕፈቱ ጄኔቭ ዝኾነን Internal Displacement Monitoring Center/IDMC/ ዝተበሃለ ትካል ሎሚ ኣብዘውፅኦ መግለጺ ኣብ ዓመተ 2018 ፀብፃብ ፍርቂ ዓመት ኩነታት ተመዛበልቲ ኢትዮጵያ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሉዎ’ሎ።

ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኣሌክሳንድራ ቢላክ ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ ንዘሎ እዋን ከምዝሽፍን ሓቢረን።

“እቲ ሪፖርት ከምዝሕብሮ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ብብዝሒ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዝወሰኸት ሃገር ምዃና እዩ።1.4 ሚሊዮን ሰባት ሓድሽቲ ተመዛበልቲ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።እዚ ኣሃዝ ኣብዚ ስዓት ዝለዓለ ጠመተ ዘድልያ ሃገር ምዃና ይሕብር።”

እቲ ትካል ብዙሕ ህዝቢ ናይ ዝተመዛበሎም 10 ሃገራት ሪፖርት ዝሓዘ እዩ።ኣብ ሶሪያ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተመዝገቡ ተመዛበልቲ 1.2 ሚሊዮን ክኾኑ ከለው ኣብ የመን ድማ 142 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።ኢትዮጵያ ግን 1.4 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምምዝባል ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ።ካብ ኣፍሪካ 946 ሽሕ ሰባት ተመዛበልቲ ዘለዋ ኮንጎ ድሕሪ ኢትዮጵያ ተሰሪዓ’ላ።ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ዝተመዛበሉ ሰባት ዝተመዝገቡ ካብ ምዕራብ ጉጂን ጌዶ ምዃኖም እውን ዳይሬክተር’ቲ ትካል ወሲኸን ገሊፀን።

“ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ተዋሰንቲ ከባቢታት ጉጂን ጌድዮን ብዝተልዓለ ግጭት ጥራሕ ኣብ ፈቐዶ መዕቖቢታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝዝሖም ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ይብፅሕ።እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ኣዚዩ ዝተፃበበ ኩነታት ከምዝርከቡ፤መግብን ማይን ንምርካብ ዝለዓለ ጭንቂ ከምዝኾኖም፣ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና እውን ከምዘይረኽቡን ገሊፆምልና እዮም።”

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ድርቅን ዝተፈላለዩ ናይ ተፈጥሮ ፀገማትን ንነዊሕ ዓመታት ተመዛበልትን ሓገዝ ዘድልዮምን ብብዝሒ ክምዝገብ ከምዝፀንሐ ዝሓበራ እተን ዳይረክተር ኣብ ቀረባ ዝተርኣዩ ምዝንባላት ግን ብሰንኪ ግጭታት ዝተፈጥሩ እዮም ኢለን።ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ጉጅልአን ኣብ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ንዝተመዛበሉ ከምዝተዓዘቡ እውን ገሊፀን።

“ናይዚ ክልል ሪፖርት እውን ተመሳሳሊ እዩ።ብርክት ዝበሉ ተመዛበልቲ ማይን መሰረታዊ ዝኾኑ ረድኤት ንምርካብ ዝለዓለ ፀገም ኣለዎም።ናታቶም ኩነታት እውን ኣዚዩ ዘተሓሳስበና እዩ።”

ንሰን ከምዝሓበርኦ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝተመዛበሉ እናሃለው ብግጭት ዝተመዛበሉ ሰባት በዝሒ ምውሳኽ መፃኢ እዋን ዘተሓሳስብ ይገብሮ ኢለን።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕን ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 1.6 ዝነበረ ብዝሒ ተመዛበልቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን 2.8 ሚልዮን ሰባት ከምዝበፅሕ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ገሊፁ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ ብብዝሒ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ቅድሚት ተሰሪዓ’ላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00

XS
SM
MD
LG