ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ: ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ብብረት ዝተሓገዘ ከቢድ ናይ ስርቂ ገበን ክካየድ ምጽንሑ ተገሊጹ


ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብብረት ዝተሓገዘ ከቢድ ናይ ስርቂ ገበናት ክፍጸሙ ምጽሖም ናይ ኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ኮሚሽን ኣረጋጊፁ።እቲ ገበን ምሉእ ብምሉእ ካብታ ከተማ ንምጥፋእ ዝተዋደደ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ’ሎ።

ኣብ ትሕቲ 24 ጉጅለታት ተወዲቦም ወራር ይፍፅሙ ዝነበሩ 129 ተኸሰስቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምስውዓሉ ይፍፀሙ ዝነበሩ ገበናት ምንካዮም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ሕጋዊ ታርጋ ዘይብለን፣ናይ ካልእ ከባቢ ታርጋ ዝለጠፋ፣ታርግአን ብዘይይርኣይን ዘይፍልጥን ሞተር ብሽክሌታ ዝካየድ ገበናት ደው ንምባል መምርሒ ከምዝወፀ’ውን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ኣፍሊጦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG