ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

240 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ሕቶ ደሞዝ ኣልዒሎም ሎሚ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምርሖም ዝተወሰነ ስንባደ ፈጢሩ ምንባሩ ተፈሊጡ


ሎሚ 240 ዝኾኑ ናይ መሰል ሕቶ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ምስ ዕጥቆም ናብ ቤተ-መንግስቲ ብምምርሖም ተፈጢሩ ዝነበረ ምስንባድ ከምዝተረጋግአ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣማሲይኡ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ብምምይጥ ከምዝተፈትሐ`ውን ሓቢሮም።

እቶም ወተሃደራት ኣብ ቡራዩ ዝነበረ ኩነታት ንምርግጋእ ካብ ኣዋሳ ተጸዊዖም ዝነበሩ ምዃኖምን፡ ተልእኮኦም ፈጺሞም ናብ ቦትኦም ኣብ ዝምለስሉ ዝነበሩ እዋን “ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ እዩ ሽግርና ዝፈትሓልና” ብዝብል ናብ ቤተመንግስቲ ምምርሖም እቲ ኮሚሽነር ሓቢሩ።

እቶም ወተሃደራት ዕላምኦም ክሳብ ዝፍለጥ ድማ ካልእ ሓይሊ ተጸዊዑ ንሓለዋ`ቲ ኸባቢ ከምዝተዋፈረ`ውን ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣማሲይኡ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ብምምይጥ ከምዝተፈትሐ`ውን ሓቢሮም።

“ብምንም ዓይነት ዝተፈለየ ዕላማ ዘለዎም ኣይኮኑን፡ ሕቶና ናብ ዶ/ር ኣቢይ ክነቕርብ ኢና ብምባል ትኽ ኢሎም ዝመጹ`ዮም። ካብ ቡራዩ ናብ ኣዋሳ እናሓለፉ ከለዉ እግረ-መንገዶም ሕቶና ከየቕረብና ኣይንኸይድን ካብ ዝብል ዝተበገሰ`ዩ። ካልእ ዘሻቕል ናይ ጸጥታ ሽግር ኣይነበረን። እቶም ወተሃደራት`ውን ካልእ ዝተፈለየ ዕላማ ኣይነበሮምን-ግን ሕቶኦም ክሳብ ዝፍለጥ ንጥንቃቐ ዝኣክል ሓደ ሓደ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ተገይሩ ኔሩ`ዩ”።

እቶም ኣባላት ምክልኻል ኣብ`ቲ እዋን ምስ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተመያየጡ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ዶ/ር ኣቢይ ድሕሪ`ቲ ምይይጥ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ምውሓድ ደሞዝን ናብርኦምን ሕቶ ከምዘቕረብሉን ኣዚዩ ሃናጺ ምይይጥ ምንባሩን ገሊጹ።

“ጸገም ደሞዝ ከምዘሎ ፍሉጥ`ዩ-ኢትዮጵያ ድኻ ሃገር`ያ። ዋና ዕላማና ወጻኢ ቖጢብና ናብ ነባሪ ልምዓታዊ ፕሮጀክት ምዛር`ዩ። ንሕና ደሞዝና ክብ ኣቢልና እንተበሊዕናዮ ልምዓት ዝብሃል ነገር ኣይክህሉን`ዩ። እዚ ሰራዊት ምክልኻል ኮነ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክግንዘቦ ዘለዎ ጉዳይ`ዩ። ልዑል ደሞዝ እናወሰድና ዘላቒ ልምዓት ክነምጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ዝበዝሐ ሃብትና ናብ ልምዓት እንተኣዚርናዮ ግን፡ ኣብ ቀጻሊ ዝሓሸት ሃገር ክንሃንጽ ንኽእል ኢና። ሰለዚ ምክልኻል`ውን ኣካል ናይ`ዚ ሓላፍነት`ዩ። ናታቶምን ናይ ካልኦትን ኩነታት ነመሓይሸሉ መንገዲ እናረኣናን እናኣፅናዕናን ዝርአ`ዩ ዝኸውን።”

ኣተሓሒዙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ እቲ ሓቂ እዚ ኾይኑ እናሃለወ፡ ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝቐርቡ ዘለው ካብ ሓቂ ዝረሓቑ`ዮም-እቲ ሕብረተሰብ ርግእ ኢሉ ትኽክለኛ ምንጪ ክረክብ ይግባእ ኢሉ።

“ኣብ ካልእ ጉዳይ`ዩ ከምኡ`ዩ ንምግጫው፡ ሽግር ከምዘሎ ሽብራ ከምዘሎ ከምስል ዝደሊ ሓይሊ ኣሎ። ሕብረተሰብ ርግእ ኢሉ እንተዘይሰሚዑ፡ ናይ ሓሶት ወፍሪ ተቐቢልና እንተኣተኣናግድና- ምብልላዕ`ዩ ጠቕሚ የብሉን።ብጉዳይ ብሄር፡ ብጉዳይ ሃይማኖት፡ ብጉዳይ ስልጣን መብዛሕቲኡ ዝለዓለ ነገር ኮነ ኢልካ ዝፍረኽ ነገር`ዩ። እዚኣቶም ምሳይ ዝተራኸቡ ኣባላት ምክልኻል ግን፡ ምንም ዓይነት ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ዘይብሎም፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝፈትዉ መንእሰያት`ዮም፡ ጠቓሚ ነገራት ከኣ ተመያይጥና ኣለና።”

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG