ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድረኽ ሽርክነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ኣሜሪካ ይቃናዕ ኣሎ


ቁጠባ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ክሕግዝን ናይ ኣሜሪካ ዋሕዚ ወፍሪ ከሳልጥ እዩ ተባሂሉ ዝእምነሉን ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ ጉባኤ ምሕዝነት ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝጀመረቶን ኣብዚ ሕጂ እዋን ትሰርሓሉ ዘላን ምምሕያሽ ቁጠባን ዕድላት ንግድን ወፍሪን ንምፍላጥ ዝዓለመ መድረኽ ምዃኑ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝዳለው ብዓይነቱ ሓሓሊፉ ዝረኣይን ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓንቲ ሃገር ጠሚቱ ዝካየድን መድረኽ ዝተረኸቡ ኣማኻሪ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣርከበ ዑቕባይን ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ፍፁም ኣረጋን ኣብታ ሃገር ይካየዱ ብዛዕባ ዘለው ለውጥታትን ንናይ ውልቂ ኣውፈርቲ ይኸፈቱ ዘለው ዓውድታትን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣሜሪካ ንከምዚ ዝበለ መድረኽ ካብ ሃገራት ዓለም ስለምንታይ ንኢትዮጵያ መሪፃ?ስለምንታይከ ኣብዚ ሕጂ እዋን? ዝብል ሕቶ ነቲ መድረኽ ብመደረ ንዝኸፈቱ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ተሓቲቶም ኔሮም።

“ስለምንታይ ኢትዮጵያ!! ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመት ይፍፀሙ ብዘለው ርኡያት ለውጥታት እዩ።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብቲ ከባቢ ይሰርሑዎ ብዘለውን ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፖለቲካዊ ሃዋህው፣ንናይ ወፃኢ ወፍርን ዓውዲ ቁጠባን ብምኽፋቶም እዩ።”

ኣምባስደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ማይክል ሬይነር ብወገኖም ኢትዮጵያ ዝተሓረየትሉ ምኽንያት ኢትዮጵያ ኣዚያ ኣገዳሲት ሃገር ስለዝኾነት እዩ ኢሎም።

“ስለምንታይ ኢትዮጵያ ? ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ኣዚያ ኣገዳሲት ሃገር ስለዝኾነት።ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ትርጉም ቦታን ዘለዋ ሃገር እያ።ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ኣጀንዳታት ምምሕያሽ ቁጠባን ፖለቲካን ምዕዋቱ ንኣሜሪካ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።ነዚ ንምሕጋዝ ድማ መንግስቲ ምስ መንግስቲ እናተራኸብና ብዕቱብ ንሰርሕ ኣለና።ካልኦት ኣካላት እውን ሓገዝ ክግበሩ ነተባብዖም ኢና።”

“ስለዝኾነ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ወፍሪን ምንቅስቓስ ንግድን ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ቁጠባ ካብ ዝርከበሉ ክለዕልዎ ሎሚ ብዕቱብ ነተባብዖም ኢና ዘለና።”

ኣምባሳደር ረይነር ብምውሳኽ እዚ መድረኽ እዚ ፍሉይን ምናልባሽ እውን ኣብ ዓሰርተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝፍፀም ኣብ ምሉእ ናይ ስራሕ ግዚኦም ድማ ክልተ ግዜ ጥራሕ ዝካየድን ክኸውን ዝኽእል እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ማእኸል ቁጠባ ኣፍሪቃ ክትኸውን ብዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ሕርሻ፣ኣብ መሰረት ልምዓት፣ኣብ ፅዓት፣ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፣ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ኣብ ዓውዲ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዕድላት ምኽፋቶምን ናይ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ሕጊ እውን ይመሓየሽ ከምዘሎን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይን ኣምባሳደር ኢትዮፕያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ተዛሪቦም።

ንምስማዕ ድልዋት ኢና ዝበሉ ዶ/ር ኣርከበ ኣሜሪካዊያን ንወፍሪ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኢትዮጵያ ርክብ ክፈጥሩ ኣተባቢዖም።

“ብመዳይ ወፍሪ ኣብዚ ምስዘሎ ኤምባሲና ክትራኸቡ ከተባብዕኩም እደልይ።ብሕታዊ መእተዊ በሪ ወፍሪ ንዝኾነ ንናይ ኢትዮጵያ ወፍሪ ኮሚሽን ክትረኽቡዎም እውን ከተባብዐኩም።ብመዳያት ፍሪያት፣ኮርፐረሽን ኢንዱስትሪያዊ ፓርክን ዕደናን እውን እዞም ኤጀንስታት እዚኦም ኣገደስቲ እዮም።”

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መንግስትን ናይ ውልቅን ዓውዲ ኣጋርነት ፖሊሲ ንምውፃእ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣምባሳደ ፍፁም ኣረጋ ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ኣምባሳደር ማይክል ረይነርን ኢትዮጵያ እተካይዶ ንዘላ ለውጢ ከምዝድግፉን ቁጠብኣ ንክተዕብን ክተሰጋግርን እተካይዶ ዘላ ፃዕሪ ዕዉት ክኸውንን ሃገሮም ከም እትሕግዝን ንሳቶም እውን ዝክኣሎም ከምዝገብሩን ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ናይ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን መድረኽ ሽርክነት ኣብ ኣሜሪካ ይቓናዕ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:36 0:00

XS
SM
MD
LG