ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ተበግሶ ንብልጽግና ኣፍሪቃ


ብዝሒ ህዝቢ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ብዕጽፊ ይውስኽ እዩ ኣሎ።ኣስታት 60 ሚእታዊት ኣፍሪቃዊያን ትሕቲ 15 ዓመት ክኾኑ ከለው ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣፍሪቃ ወናኒት ካብ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድሚእም 320 ሚሊዮን ሰባት ክትኸውን እያ። መብዛሕቲኦም እዞም መናእሰይ ስራሕ ክህልዎም ኣለዎ። ኣፍሪቃ ኣብ ዝቕፅሉ 20 ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 18 ሚሊዮን ሓድሽ ናይ ዕድል ስራሕ ክትፈጥር ኣለዋ።

ብመሰረት ኣብ ኣፍሪቃ ግዚያዊ ኣማሓዳሪ USAID ክስሪስ ማሎኒ እምብኣርከስ ኣብዚ እዩ ተበግሶ ብልፅግና ኣፍሪቃ ዝመፅእ:ዕላማ ኣብ ታሕሳስ 2018 ወግዓዊ ዝኾነ ተበግሶ ብልፅግና ኣፍሪቃ /Prosperty Africa / ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ክልቲኣዊ ርክባት ንግድን ኢንቨስትመትን ንምሕያል እዩ ።

“ከምኡ ክንሰርሕ ኣለና፤ፈጠራ ስራሕን ነባሪ ቁጠባዊ ዕብየትን ክረጋግፅ ዝኽእል በዚ መንገዲ እዚ እዩ።”

ሚስተር ማሎኒ ወሲኾም ውፅኢት ሰለስተ ዕላማታት ተበግሶ ብልፅግና ኣፍሪቃ በዚ እዩ ክረጋገፅ ዝኽል ኢሎም ።

“ብልፅግና ኣፍሪቃ ይዓሞ ዘሎ ቀዳማይ ነገር ናይ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ኢንቨስተራት ኣብ ሓደ ቦታ ዝተዋደደ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ ሃዋህው ምድላው እዩ።ኢንቨስተራት እዚ ሓሳብ እዚ ኣለኒ፣እዚ ናይ ኢንቨትመንት ዕድል ሒዘ ኣለኹ፤ነዚ ንምፍፃም እንታይ ክትሕግዙኒ ትኽእሉ ዝብልሉ መስርሕ ክህልው ኣለዎ። “

ማሎኒ ብምውሳኽ ክንድዚ ቀሊል ነገር እዩ:ግን ድማ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር ኢሎም ።

እቲ ካልኣይ ዕላማ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ንግዲ ንምስላጥ እዩ። ተበግሶ ብልፅግና ኣፍሪቃ ንምዕዋት ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ናይ ኣሜሪካን ኣብ ኣተኣናጋዲት ሃገር ዝርከብ ናይ ውልቂ ዕድላት ንግዲን ኣብ ምልላይ ዝሰርሕ ጉጅለ ክህልው ኣለዎ።

“እዞም ኣሳለጥቲ ጉጅለታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘለው ናይ ምስራሕ ምስጢራት ኣብ ምፍታሕ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።ብልፅግና ኣፍሪቃ ከፈፅሞ ዝኽእል ሳልሳይ ዕላማ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ናይ ንግድን ኢንቨስትመንትን ምቹእ ኩነታት ምፍጣር እዩ።እዚ ብፖሊስን ቴክንካውን መዳዩ ንመንግስትን ስቪል ማሕበረሰብን ዓብይ ሓገዝ ዘበርክት እዩ።”

ግዚያዊ ኣማሓዳሪ USAID ክሪስ ማሎኒ በዚ መንገዲ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ርክብ ንግዲ ምስላጥ ይክኣል እዩ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG