ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓገዝ ናብ ትግራይ ኣይበጽሐን፣ መንግስቲን ክልልን ንሓድሕዶም ይወናጀሉ


ኣምባ ጃኮብሰን ኣብ ሰመራ
ኣምባ ጃኮብሰን ኣብ ሰመራ

ድሕሪ ክልተኣዊ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምእታዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ኰይኖም ኢሉ ይኸስስ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 40 መካይን ጽዕነት ካብ ሰመራ ክብገሳ መደብ ነይሩ። ከም መግለጺ መንግስቲ ግን ሓይልታት ትግራይ ንኸባቢ ኣብዓላ ተቖጻጺሮሞ ብምህላዎም ክጓዓዛ ኣይከኣላን።

ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ መብጻዕኡ ከም ዘይሓለወ ከሲሱ ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ ምዕጋት መገዲ ኣመልኪቱ ግን፡ ብወገን ክልል ትግራይ ብፍሉይ ዝተጠቕሰ ሓበሬታ የሎን። ካብ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ዝዀነ ፕሮፈሰር ክንዲያ ገብረሂወት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታን ኣብ ትዊተር ዝዘርግሑዎ ጽሑፍን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዘሎ ተዋቓዒ ስጕምታት ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር’ዩ ክብሉ ከሲሶም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ትረሲ ጃኮብሶን ነቲ ኵነታት ብቐረባ ንምዕዛብ ናብ ክልል ዓፋር ተጓዒዘን። እተን ፈጻሚት ጉዳያት ኣብ ዑደትን ምስ ፕረዚደንት ክልል ዓፋር ኣዎል ኣርባን ካልኦት መራሕቲ ኮማትን ከም ዝተራኸባ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣምባሳድር ትረሲ ኣብ ግዜ ናይ ዓፋር ዑደተን፡ ኣመሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ክልልን ካልእን ዝውዕል፡ ናይ 90 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክግብር ምዃኑ ሓቢረን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG