ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወላዶ ኦሮሞ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ማሕበረሰብ ኦሮሞ ዋሽንግተን ዲሲ ዘተሓባበሩዎም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብዚ ኣብ ዋንሽንግተን ዲሲ ይካየድ ኣሎ።

ናይቲ ሰልፊ ኣተሓባባሪ ኣቶ ኣሰፋ ኪቲል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና የውርዶ ዘሎ ዝበሉዎ መጠነ ሰፊሕ ጭቆና ንምቅላዕን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ብምዃኑ ንህዝቢ ዓለም ንምፍላጥን’ቲ ሰልፊ ምክያዱ ገሊጾም።

ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ካናዳ ሓዊሱ ካብ መላእ ሰሜን ኣሜሪካን ዝተኣኻኸቡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት ብምውሳኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማእሰርቲ፣ ቅትለት ይፍፅም ኣሎ ይብሉ።

ኣቶ ኣሰፋ ወሲኾም ንህዝቢ ኦሮሞ ይውክሉ እዮም ዝብሃሉ መራሕቲ እናኣረየ ኣሸባሪ ዝብል ሽም እናሃበ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ኣሎ ኢሎም ።

ሰልፈኛታት ኣብ ዋይት ሃውስ፣ባንኪ ዓለም፣ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢን ካፒቶል ሂልን ብምኻድ ድምፆም ከምዘስምዑ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG