ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣባል-ባይቶ ካረን ባስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ


us congress members in Asmara
us congress members in Asmara

እቲ ብኣደመንበር ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሪቃ ካረን ባስ ዝተመርሐን፡ ሓደሽቲ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ማለት ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰን ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃም ዑመርን ዝሓዘን ጉጅለ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብ፡ ሓላፊ ቁጠባ ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ከምኡ`ውን ምስ ሚንስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ተራኺቡ ምዝርራቡ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራን ሓቢሩ።

ሓደ ጉጅለ አባላት ባይቶ ኣሜሪካ፡ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም ድሕሪ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ምዃኑ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ኣባል ባይቶ ኤልሃም ዑማር ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ካብ መንጎ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ቀዳማይ ኣሜሪካዊ ጉጅለ ልኡኽ ምዃነይ ኩርዓት ይሰምዓኒ፡ ንሰላምን ፍትሕን`የ ዝቃለስ-ምኽንያቱ-ሰላም ዘስተማቕሩ እቶም ብስቓይ-ኩናት ዝተሞከሩ`ዮም ኢላ።

XS
SM
MD
LG