ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን መጥቓዕቲ ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ


ምኽትል ኣምባሳደር ኣበበ ደምሴ 
ምኽትል ኣምባሳደር ኣበበ ደምሴ 

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ትማሊ ሰሉስ መጥቓዕቲ ከምዝወረዶ ናይቲ ኤምባሲ ምኽትል ኣምባሳደር ኣበበ ደምሴ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ብድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሞት ዝተቖጥዑ ብረትን ተባራዓይን ነገራት ዝሓዙ ልዕሊ 50 መናእሰይ ነቲ ኤምባሲ ወሪሮም ናይታ ሃገር ባንዴራ ኣውሪዶም ናይ ኦነግ ባንዴራ ምስቃሎም ገሊፆም።ካብቲ ኤምባሲ ይወፅእ ዝነበረ ሓደ ተገልጋሊ መውቓዕቲ ከምዝወረዶ ነቲ ማዕጾ ብሓይሊ ጥሒሶም ንምእታው ምፍታኖም እቶም ኣምባሳደር ሓቢሮም ኣለው።

ኣምባሳደር ኣበበ ደምሴ ካብ ኢትዮጵያዊያን ባህሊ ወጻኢ ትፅቢት ዘይተገብረሉ ኣነዋሪ ተግባር ክብሉ ነቲ ፍጻመ ብትሪ ኾኒኖምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG