ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በርሊን፡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ጉጅለ 20 ንዝሳተፉ ዘለውን ንቀዳማይ ሚንስተር ንምድጋፍ ሰልፊ አካይዶም


ኣብ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ንቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ሰልፊ አካይዶም።ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ሓዊሱ 11 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ በርሊን ይካየድ ኣብዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ወፍሪ ዘተኾረ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ጉጅለ 20 ይሳተፉ ኣለው።

ሎሚ ሰሉስ በርሊን ጀርመን ንዝኣተው ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ማእኸል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ‘’ብራንደንቡርግ’’ ብብዝሒ ተሰሊፎም።እቲ ኣደባባይ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተቓውሞ እምበር ደገፍ ሰልፊ ተኻይድሉ ከምዘይፈልጥ ኣብ በርሊን ኣቦ ወንበር ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብን ኣባል ኣቀባብላ ኮሚቴ ቀዳማይ ሚንስተርን ኣብይን ኣቶ ታደሰ ቶላ ይገልፁ።

ምኽንያት ድጋፎም ን27 ዓመታት ክንዛረበሉ ዝነበርና ዝዛረብ መራሒ ብምርካብና እዩ ኢሎም።

“ኣብ 27 ዓመታት ዘይተሰርሑ ዓበይቲ ስራሓት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተሰሪሖም ኣለው።እዚ ዝጭበጥን ዝርኣይን ጉዳይ እዩ።በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ኣብይን ጉጅልኦምን ምሉእ እምነት ኣለና።”

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ በርሊን ካብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ዝተዛረቡ ኣቶ ታደሰ ምስ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርከል ኣብ ዝተራኸብሉ’ውን ብሃንደበት ኢትዮጵያዊያን ናብ ዝተኣከብሉ ምምፅኦም ሓቢሮም።

በርሊን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ዓውዲ ቢዝነስ ኣቶ ቴድሮስ ግርማ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ምስ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርከል ብምርኻብ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ምዝርራቦም ሓቢሮም።ብG-20 ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ምስታፎም እውን ገሊፆም።

“ኣብ ጀርመን ብጉጅለ 20 ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ምትሕብባር ቁጠባ ሓደ ካብዕዱማት ክቡር ቀዳማይ ሚንስተርና ብምንባሮም ኣብኡ ተሳቲፎም ኣለው።ፅቡቕ ልዝባት ዘካይድሉን ናይ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንትን ዓቕሚ ቢዝነስን ንዕዱማት ዘፋለጥሉን መደረ ዘስምዕሉን ነይሩ።”

መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርኬል ጀርመናዊያንን ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ዴሞክራስን ንምሕያል ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ዘሎ ለውጢ ብኣወንታ ከምዝርእይዎ ምግላፀን ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG