ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሓሰን ኣል-በሽርን ኣብ ካርቱም ተራኺቦም-ብዛዕባ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትዮም


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ካርቱም ዑደቶም፡ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ኣልበሽር ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ወደብን ምፍታሕ ኣብ ሱዳን ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ፡ ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ መለስ ኣለም ንቪኦኤ ሓቢሮም።

“ብኢትዮጵያን ሱዳንን ዝሕሰብ ዘሎ ነገር፡ ነቲ ወደብ ብሓባር ንምልማዕን ብሓባር ንምምሕዳርን ዝሓለነ`ዩ” ዝበሉ ኣቶ መለስ፡ ብዛዕባ ህንጸት ግድብ-ህዳሴ ብወገን ሱዳን ዘሎ እምነት፡ ንረብሓ ሰለስቲአን ሃገራት`ዩ ዝብል ከምዝኾነ ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን-ሱዳንን ብዛዕባ ምስሕሓብ ዋንነት መሬት ግጭት ምንባሩ፡ ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን ዘውጽኦ ሓበሬታ ምላሽ ክህብሉ ተሓቲቶም “ብዛዕብኡ ርእይቶ ክህብ ኣይደልን`የ፡ ዕላማ ዑደት ቀ/ሚ ኣቢይ፡ ብዛዕባ ዶብ፡ ወይ ብዛዕባ ንግድን ኢንቨስትመንት ኣብ ዝርዝር ኣቲኻ ንምዝርራብ ኣይነበረን ኢሎም።

ምሉእ ትሕ ዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG