ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ አብይ ኣብ ክልል ደቡብ ዝተፈጥረ ግጭት ከባቢ ዝርከቡ ሓለፍቲ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዝግባእ ሓቢሮም


ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ግጭትን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ዝወረደን ሰለስተ ከተማታት ዝርከቡ ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን ብድልየቶም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብቲ ከባቢ ብምጉዓዝ ምስ ህዝቢ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ምሕታቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ገሊፆም።

“ቀዳማይ ሚንስትር ሕቶ ዘቕረቡ ግጭት ዝነበሮም ከባቢታት ብዋናነት ሲዳማ ከባቢ ሃዋሳ፣ወላይታ ሶዶ ከምኡ እውን ወልቂጤ እቲ ግጭት ኣብ ምጉህሃርን ሓላፍነት ወሲዶም ብዘይምፍትሖምን መሪሕነት ዞባ ይኹን ወረዳ ስልጣኖም ክሓድጉ እዮም።”

ናይቲ ክልል መንግስቲ እውን ገምጊሙ ብፍቓዶም ኣብ ልዕሊ ዘይወርዱ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ምሕታቶም ገሊፆም።ጉድኣት ዝወረዶም ክጣየሹን ዝተበደሉ ተኻሒሶም ናብ ናይ ቀደም መነባብርኦም ክምለሱን እውን እዮም ኢሎም።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ እዋን በዓል ፊቼ ጨንበላላ ብዝተፈጥረ ህውከትን ቀፂሉ እውን ኣብ ከተማ ወልቂጤ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ብዝተፈጥረ ግጭትን ህይወት 15 ሰባት ምጥፍኡ፣ኣስታት ሓደ ሚእቲ ምቑሳሎም ዝለዓለ ዕንወት ንብረት ምውራዱን ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG