ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘጋጠመ ቕትለት ሰላማዊያን ሰባት ብምኹናን ተሓታቲ 'ኦነግ ሸኔ'ዩ' ኢሉ: ኣዛዚ ኦነግ ም/ግንባር ግን ነዚ ይቃወም


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ባቦ ገንቤል ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ዝሕተተሉ ‘ኦነግ ሸኔ’ አዩ ኢሉ ከሲሱ ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ 28 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 10 ድማ ቆሲሎም። ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነኑ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣህመድ ብወገኖም ህዝቢ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ንፈጸምቲ እቲ ቅትለት ናብ ሕጊ ንምቅራብ ንክሰርሕ ጸዊዖም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ምዕራባዊ ግንባር ደባይ ተዋጋእቲ እየ ዝበለ ብወገኑ "ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ" ብወገኑ ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ሎ::

ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ "ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ንኹንን። ዝተሰማዓና ዓሚቅ ሓዘን ንስድራቤታትን ንመላእ ኢትዮጵያዊያንን ንገልጽ" ኢሎም ።ንሶም ወሲኾም "ዓለምና ብለበዳ ሕማም ተወሪራ ኣብ ትጭነቀሉ እዋን፣ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ቃንዛ ዝውስኹ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ’ዛ ንደልያ ኢትዮጵያ ስፍራ የብሎምን" ኢሎም ።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ወሲኾም ‘ጸላእትና ካብ ደገን ካብ ውሽጢን ተወዲቦም፣ ንሰላማዊያን ሰባት ብምቅታል ነቲ ዝጀመርናዮ ዝበልዎ ጉዕዞ ንምሽምራርን ካብ ጎደናና ንምስሓት ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው’ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መጻወድያ ሓይልታት ጥ ኣት ዝበልዎም ሓይልታት ንከይወድቕን፣ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ጥፍኣት ፈጸምቲ ናብ ሕጊ ንምቅራብ ንክሰርሕን ጸዊዖም።

ነዚ ብዝምልከት መሮ አየ ዝባሃል ዝበለ ኣዛዚ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ምዕራባዊ ግንባር ምዃኑ ዝገለጸ ከምዚ ይብል።

ሕቶ: መሮ ተቀቲሉ እዩ። መሮ የለን ክባሃል ከሎ ሰሚዔ እየ። ንሶም’ውን ሰሚዖም ይኾኑ ዝብል ግምት ኣለኒ። ገለ እዋን ካኣ ብጭብጢ ዝተደገፈ ዝመስል ሓበሬታ ሪኢና ኣለና። ብካልእ ወገን ካኣ መሮ ባዕለይ እየ ይብሉኒ ኣለው’ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም::

መሮ: እወ ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮፓጋንዳታት ይቃልሑ እዮም። ኣነ መንፈስ ኣይኮንኩን። ምሳይ ተዕልል ኣለኻ፣ ካልእ መረጋገጺ ክህበካ ኣይክእልን።

ሕቶ:ንጊዚኡ ይኣኽለኒ እዩ። ናብ ቀንዲ ጉዳይና ንስገር። ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቀትሉ ተገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ሰባት ዝተቀትሉ ኦነግ ሽኔ ዝባሃል ዕጡቅ ጉጅለ እዩ ኢሉ ኣሎ። ናትኹም ግብረ መልሲ እንታይ እዩ?

መሮ: ሰሎሞን፣ መንግስቲ ቀተልቲ ዕጡቃት ኦነግ ሽኔ እዮም እንተይሉ፣ ን ኦነግ ሽኔ ኣሊሽካ ኣዘራርቦም። ኦነግ ሽኔ እዮም ኢሉ’ውን ከሲሱ ኣሎ። ስለዚ እቲ ክሲ ዝቀረበሉ ውድብ ኦነግ ሽኔ መልሲ እንተዝህብ ኣይምሓሸን’ዶ? ስለዘይምልከተኒ ኢለ እየ።

ሕቶ: መንግስቲ ንመሮ ዝመርሖም ዕጡቃት ኦነግ ሽኔ ስለዝብለኩም እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ። ንስኻትኩም መን ትባሃሉ ኢኹም?

መሮ:ንስኻ ወለድኻ ዘጠመቁኻ መጸውዒ ሰሎሞን ኮይኑ እናሃለወ፣ ሰሎሞን ኣይኮንካን ቦጋለ ወይካኣ ካልእ መጸውዒ እንተተጠቂመ ክትቅበሎ ኢኻ ዝብል እምነት የብለይን። ስለዚ ንሕና’ውን ኣብ ዘይምልከተና ጉዳይ ከይተጸዋዕና ኣለኹ ንብለሉ ምኽንያት የለን። ንሕና ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኢና። እዚ ውድብ'ዚ ዝቀረበሉ ክሲ ዛጊት የለን። ንመርሖ ሰራዊት ‘ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ’ እዩ ዝባሃል። በዞም ትጠቅሶም ዘለኻ ሰባት ዝቀረበ ክሲ ኣይሰማዕኩን።

ሕቶ: ኣብ’ቲ ትማሊ ተፈጺሙ ዝባሃል ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ኢድ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣለዎ’ዶ?

መሮ: ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ፣ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ቅትለት ኢዱ ኣየእቱን። ብሰራዊትና ከምዚ ዝበለ ዝተፈጸመ ቅትለት የለን። ንሓደ ብሄር ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ’ሞ ግደፎ፣ ብሰንኪ መንነቱ ዝኾነ ሰብ እንተተቐቲሉ፣ ከቢድ ቅጽዓት ዝዋሃበሉ ኣገባብ እዩ ዘለና። እዚ ነገር’ዚ ይደጋገም ኣሎ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝነጥፉ መነገዲ ገይሮምዎ ኣለው። ዘይሻራዊ ኣካል የጻርዮ ኢለ ነይረ። ተደጋጊሙ ስለዝተዘርበሉ ዝልወጥ ነገር የለን። ሓሶት በዚሑ።

ግዳያት ኢና ዝብሉ ሰባት ‘ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ’ እዩ ኣጥቂዑና እዮም ዝብሉ። ኣባላት ሰራዊትኩም፣ ከምዚ ዝዓይነቱ መጥቃዕቲ ንከይፍጻም ትከታተልሉ፣ ትቆጻጸርሉ፣ ዝወሰድክምዎ ስጉምቲ ኣሎ’ዶ? ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ መሮ ክምልሱ ከለው ‘ስጉምቲ ትወስድ’ኮ ፈጻሚ እቲ ክሲ ምስ ዝህሉ እዩ። ስጉምቲ ምውሳድ ዘይኮነ እቲ ጥቕዓት ኣይተፈጸመን። ኣብ ኢድ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ሓንቲ ህይወት እንተጠፊኣ፣ ኣዝዩ ከቢድ እዩ’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG