ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርበብ ምርመራ ኣሜሪካ ምስ ናይ ሞዛቢክ ምስጢራዊ 2 ሚልዮን ልቓሕ ዝተሓሓዙ ውልቀሰባት የቓልዕ


ሚንስትር ፋይናንስ ሞዛቢንክ ነበር ማኑኤል ቻንግ (ፋይል)
ሚንስትር ፋይናንስ ሞዛቢንክ ነበር ማኑኤል ቻንግ (ፋይል)

መርበብ ምርመራ ኣሜሪካ ኣብ ሞዛምቢል ዝተፈፀመ ፋይናንሳዊ ምጭብርባር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝእተወ ኣፍሊጡ።ሞዛምቢክ ኣብ 2013ን 2014 ብሕቡእ ተለቂሓቶ ምስ ዝተብሃለ ክልተ ቢሊዮን ዶላር ብዝተኣሳሰረ ናይ ቀደም ሚንስትር ፋይናንስ ዝነበሩ ሓዊሱ ኣርባዕተ ሰባት ተኣሲሮም ኣለው።ኣብ 2016 እቲ ዕዳ ምስ ተፈለጠ ኣብ ሞዛምቢክ ግዙፍ ናይ ዕዳ ቅልውላው ምግጣሙ ይዝከር።

ናይ ሆሊውድ ጸዋታ እዩ ዝመስል።ገንዘብ ዘንቀሳቕሱ ሰባት፣ዓለምለኸ ኣውፈርትን ሰበስልጣን መንግስትን ዝሓቖፈ ሓደ ጉጅለ ኣብታ ብተፈጥሮ ሃብታም ዝኾነትን ብኲናት ሓድሕድ ዝተሃሰየ ቁጠብኣ ዳግም ንምህናፅ እትፍትን ሃገር ንዝርከቡ መንግስታዊ ኩባኒያታት ከም ድላዮም ኣሽከርኪሮምዎ።እቲ ነበረያ ነበረ ዝመስል ብዛዕባ ብቕልጡፍ ዝቕሃመ ናይ 2 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ እዩ።

ክልተ ቢሊዮን ዶላር ዕዳ ከምዘለዎ ዘይፈልጥ መንግስቲ ሞዛምቢክ ኣብ 2016 ልቕሑ ክሳብ ዝፍለጥ ሓደ ነገር ከምዘይተፈጥረ ስሩዕ ስርሑ ይቕፅል ነይሩ።

ድሓር ግን መንግስቲ ስርሑ ደው ኣቢሉ።ቁጠባዊ ቅልውላው ተፈጢሩ ዋጋ ገንዘብ ወሪዱ፣ዋጋ ኣቑሑት ንሂሩ፣ሆስፒታላት መሰረታዊ ቀረባት ክህባ ኣብ ዘይክእላሉ ደረጃ በጺሓን።

ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው ዝገበረ ክሲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝተፈፀመ ኮይኑ ንናይ ኣሜሪካ ኣውፈርቲ ብምጭብርባር ብዝነበሮም ተራ ክሶም ናብ ኣሜሪካ ተመሓላሊፉ ፍርዲ ክውሃቡ ይፅበዩ ኣለው።

ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ምብራቓዊ ከባቢ ኒው ዮርክ ዝተረኽበ ቅዳሕ ናይቲ ክሲ ከምዝሕብሮ ኣርባዕተ ተኸሰስቲን ካልእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘይውዓለ ሓደ ሰብን ሽሞም ዘይተገልፁ ካልኦት ክልተ ሰባትን ዘይጭበጥ ናይ ሓሶት ፕሮጀክትታት ብምምሃዝ ንባዕሎም ክህብትሙን ንሰበስልጣን ሞዛምቢክን ካልኦትን ጉቦ ንክህቡን ገይሮም ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ሞዛምቢክ ገንዘብ ሚንስትር ዝነበረ ማኑዌል ቻንግ ብናይ ኢንተርፖል ትእዛዝ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕጢ ቀይዲ ኣትዩ።

ቻታም ሃውስ ኣብ ዝተብሃለ ናይ መፅናዕቲ ትካል ተንታኒ ዝኾነ ኣሌክ ቫይንስ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ ይብል።

“ኣበይ ከምዝኣተወ ዘይፍለጥ ሚሊዮናት ምናልባሽ እውን ቢሊዮናት ዶላር ኣሜሪካ ብዝምልከት ዋላ ሓደ ነገር ከምዘይተፈጥረ እዩ ዝመስል ነይሩ።ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝተሳተፉሉ ናይ ልቓሕ ቅሌት ዝምልከት ኣብ ኒዊዮርክ ዝቐረበ ኽሲ ኣዚዩ፣ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።ነቲ ኩነታት ዝቕይሮ ይመስለኒ።”

ህዝቢ ነቲ ማእሰርቲ ብዓብዩ ደጊፉዎ’ሎ።ገዛኢ ፓርቲ ፍሪሊሞ ግን ሕዚ እውን ስቕትኡ ቀፂሉ’ሎ።ተንታኒ ፈርናንዶ ሊማ ከምዚ ይብል።

“ኣብ ስልጣን ንዝርከብ መንግስቲ ዓብይ፣ዓብይ ሕፍረት ኣስዒብሉ ኣሎ።እቲ ዝገርም ድማ ሰበስልጣን ሞዛምቢክ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ምእሳር ሚስተር ቻንጋ ዋላ ሓደ ነገር ዘይምዝራቦም እዩ።መንግስቲ፣ፓርቲ ፍሪሊሞ፣ቤት ፅሕፈት ጠቓላሊ ዓቃቢ ሕጊ ወይ ፓርላማ ሓደ ቃል ኣይተንፈሱን።”

ቫይንስ ብተወሳኺ እቲ ልቓሕ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ሚንስትር ምክልኻል ኮይኖም የግልግሉ ዝነበሩ ፕረዚዳንት ፊሊፐ ኒዩሲ ካብዚ ቅሌት ነፃ ምዃኖም ግልፂ ኣይኮነን ይብል ።ሞዛምቢክ ኣብ 2023 ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ክትጅምር እያ።ብዙሓት ኣውፈርቲ ኣብዚ ንምስታፍ ድልየት ከምዘለዎም ይፍለጥ ይብሉ።

“ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ/IMF/ን ሓገዝን ንሞዛምቢክ ወይ ብቐጥታ ንመንግስቲ ዝውሃብ ልቓሕ ንምባል ይሓይሽ ደው ኣቢሎምዎ ፀኒሖም እዮም።ክቕፅሉ ግን ይደልዩ እዮም።እዚ ምናልባት ነገራት ኣብ ምንፃር ኣብ ነዊሕ ዝሕግዝ ይመስለኒ።ሞዛምቢክ ምስ ዓለምለኸ መስርሕ ልቓሕ ዓለምለኸ መሻርኽታን ዝህልዋ ርክብ ክምሓየሽ እዩ።”

ናይ ቻንግ ጠበቓ ዝኾኑ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሩዲ ክራውስ ናብ ኣሜሪካ ተመሓላሊፎም ንክውሃቦም እተቕርቦ ሕቶ ከምዝቃለሱዎ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG