ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ዝህቦ ሓገዝ ምውሳኹ ይገልጽ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ንክልላት ትግራይን ዓፋርን ዝኸውን ዝረኽቦ ዘሎ ሓገዝ ይውስኽ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ንድሓር ጥራይ ልዕሊ 3-ሺሕ መግቢን መድሃኒትን ከምኡ መጽለሊ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ`ሎ። ካብ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ 60% እቲ 5.4 ሚልየን ህዝቢ ክልል ትግራይ ከምዝተሓገዘ'ውን ይጠቅስ።

እንተኾነ ኣብተን ክልላት ዘሎ ጉድለት ዝተመጣጠነ መግቢ ብዘሰንብድ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ኣብዚ ቐረባ ዝወጸ ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ውዕል ሰላም ፈደራል መንግስቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን`ውን ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ገና የጸግም ከም ዘሎ`ውን ጠቒሱ ኔሩ።

ወሃቢ ቓል ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ስግኣትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደበበ ዘውደ፡ ካልኦት ከባብታት ማለት ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ክብጽሑ ዘይክኣሉ ከም ኣብ ዶብ ኤርትራ ዘለዉ ከባብታት ከይተርፈ ብምብጻሕ ንኣስታት 81 ሺሕ ጽጉማት ከም ዝሓገዙ ጠቒሱ`ሎ።ኣቶ ደበበ ኣተሓሒዙ ኣብ ክልላት ትግራይ: ኣምሓራን ዓፋርን ብድምር ልዕሊ 8-ሚልየን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝረኸቡ ይሕብር።

ድሕሪ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ ምጅማሮም ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። እንተኾነ ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ኦሮሚያ ግጭት ምህላዉ`ውን ይግለጽ`ዩ ።

XS
SM
MD
LG