ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መስርሕ ምጅማሩ ኣፍሊጡ


 ፋይል- ምኽትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሓን ሓቅ
ፋይል- ምኽትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሓን ሓቅ

ወሃቢ ቃል ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ፋርሓን ሓቅ ምስ 41 ዓለምለኻውን ከባቢያውን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ኣብ 2023 ንልዕሊ 900,000 ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ትማሊ ሰሉስ ምጅማሩ ሓቢሩ። ብመሰረት ምኽትል ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሓን ሓቅ እቲ ምሕፅንታ 500 ሚሊዮን ዶላር ንምርካብ እዩ።

ሓቅ "እቲ ግብረ መልሲ ኣብ መንጎ ተዋሳእቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ልምዓትን ምትእስሳር ብምፍጣር ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ዝዓለመ ምቕራብ ህይወት ኣድሕን ክኸውን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስሚርሉ እዩ’’ኢሉ። ንሱ ብምውሳኽ "ሱዳን 1.1 ሚሊዮን ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ ፡ ኢትዮጵያ ፡ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪቃ ፡ ቻድ ፡ ሶሪያ ፡ የመንን ካልኦት ሃገራትን ብምዕቛብ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ዝዓበየት ስደተኛታት ኣዕቛቢት ምዃና ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይርዳእ እዩ" ኢሉ።

XS
SM
MD
LG