ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣውሮጳ ኣገልግሎት ጥዕና ብግጭት ዝተጎድኡ ክልላት ንምጽጋን 31.5 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሂቡ


ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብግጭት ኣብ ዝተጎድኡ ክልላት ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ጥዕና ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ 31.5 ሚሊዮን ዩሮ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድህን ከምዝሃበ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ ብግጭት ኣብ ዝተሃስዩ ክልላት ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ናብራኦም ከምዘመሓይሽ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ሮላንድ ኮቢያ ‘’ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘውርዶ ኣሰቃቒ ጉድኣት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ዝለዓለ ጉድኣት የስዕብ’’ኢሎም።"ሕጂ ንሰላም ብምስምምዖም ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንምሕጋዝ ብዝሓሸ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ፤እቲ ገንዘብ ድማ ዝተበተኸ ኣገልግሎታትን ዝዓነዉ ትካላት ጥዕናን ዳግም ንምስራሕ ክሕግዝ እዩ" ኢሎም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ግጭት ልዕሊ 3,000 ትካላት ጥዕና ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ኣስታት 700,000 ቆልዑ ድማ ግቡኡ ክታበታት ኣይረኸቡን።

XS
SM
MD
LG