ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሓያሎ ኣመሪካውያን እሱራት እንተላይ 4 ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራን ካልኦትን ክፍትሑ'ዮም ዝብል ተስፋ ኣለኒ" ኣባል ባይቶ ካረን ባስ


ብኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሐን ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሴፍ ንጉሰን ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኢልሃን ዑመርን ዝርከብዎ ልኡኽ ባይቶ ኣሜሪካ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ 14 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ምብጽሑ: ምስታ ንነዊሕ ተነጺላ ዝጸንሐት ሃገር ጥቡቕ ርክብ ንምግባር ምዃኑ ተገሊጹ።

ኒው ዮርክ ታይምስ ንመብርሂ ንኣሶስየትድ ፕረስ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ዓንቀጹ: ልኡኽ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ነዚ ዝገለጹ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዩ። ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣሜሪካ ኣባል ኮሚቴ ኣፍሪቃ ዝኾና ካረን ባስ: ኤርትራ ሚስጢራዊት ኮይና ምጽንሓ ሓቢረን። ሓድሽ'ውን እንተኾነ ይፈልጥ እየ ክሳብ ሕጂ ምምዕርራይ ኣይተራእየን ድማ ኢለን። ንሰን ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተስፋ እገብር እቲ ጽገና ክግበር ኢለን።

እተን ኣባል ባይቶ ንጉዳይ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣሜሪካውያንን ኤርትራውያንን ብዝምልከት ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣባላት ኤምባሲ ኣሜሪካ ክፍትሑ እዮም ኢለን። ንሰን ብዘይካ'ዚ እቶም እሱራት እንተላይ ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ብቕልጡፍ ከምዝፍትሑ ምሕባረን ኣሶስየትድ ፕረስ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ኣባል ባይቶ ኢልሃን ዑመር ብወገና ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝወረደ ሰላም ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከምዝመሰጣ ገሊጻ።

ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝኾኑ ቲቦር ናጊ ብወገኖም: ዝሓለፈ ዓመት ንፈለማ ኣብ ኤርትራ በጺሖም ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ድሕሪ ምርኻቦም: ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዘይፍለ ምውቕ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG