ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕ/ሃ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ : ላዕለዎት ሰበስልጣንን መራሕቲ ተቓወምቲን ተዘራሪቦም


unhcr ethiopia
unhcr ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽነር ዘይድ ራዓድ ኣል ሑሴን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ተዘራሪቦ።

ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ መራሕቲ ተቓወምትን ፀሓፍትን ብምርኻብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝወረዶም ስቓይን ኩነታት ኣተሓሕዛ መሰላት እታ ሃገርን ከምዘረድኡ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብዕድመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዘይድ ራዓድ ኣል ሑሴን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ምርኻቦም ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ መንጎ ዝተፈትሑ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ንገሊኦም ከምዘዘራርቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ምስቶም ኮሚሽነር ዝተራኸቡን ቪኦኤ ዘዘራረቦም ዶ/ር መረራ ጉዲናን ጋዜጠኛ እስክንድር ፍሬውን ኣብቲ ኣኼባ መራሕቲ ፖለቲካ ፓርትታት፣ጋዜጠኛታት፣ናይ ኢንተርኔት ፀሓፍትን ካብ ኮሚቴ ኣናዳዪ ፍታሕ ማሕበረሰብ ሙስሊም ከምኡ እውን መኖከሳት ገዳም ዋልድባ ከምዝተረኸቡ ገሊፆም ኣለው።

ኣቦ ወንበር ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኩነታትን ኢና ዝተዘራረብናሎም።”

ብዛዕባ ኩነታት እቲ ቤት ማእሰርትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝወረዶም ፀገማትን ዝገለፁ ከምዘለው ዝሓበሩ ዶ/ር መረራ እቶም ኮሚሽነር ካብቶም እሱራት ይኹን ንኻልኦት ብምዝርራብ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይታ ሃገር ዝረኸቡ ይመስለኒ ኢሎም።ካብ ቤት ማእሰርትን ኣተሓሕዛ እሱራት ብዝለለ ዘልዐሉዎ ጉዳይ እንተሃሊዩ ዝተሓተቱ ዶ/ር መረራ ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“ብሓፈሻ ብመንፅር ፖለቲካዊ ምህዳር እታ ሃገር ብፍላይ ድማ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ሓዱሽ ቀዳማይ ሚንስትር ሓድሽ ኣሰራርሓ ኢህወዴግን ናበይ’ዩ ክወስደና ኣብ ዝብል ሓፈሻዊ ስእሊ ተዘራሪብና ኣለና።”

ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ማእሰርቲ ዝወፀ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ምስቶም ኮሚሽነር ኣብዝተራኸብሉ እዋን ካብቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ዝተብሃሉ ዘስካክሑ ዝበሎ ገሊፁ’ሎ።ኣብ ልዕሊ መናኩስት ገዳም ዋልድባ ዝወረደ ዝበሎ ናይ ምንኩስና ክዳንቶም ብሓይሊ ክወፅእን ዝወረዶም መግረፍትን ኣዚዩ ዘሕዝን ነይሩ ኢሉ ።

እቶም ኪሚሽነር በዚ ዝተገልፀ ምሕዛኖምን እዚ ጉዳይ እዚ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ከምዘካፍሉዎምን ነጊሮምና ይብል።ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ክኸበር እንታይ ክበር ኣለዎ ዝብል እቶም ኮሚሽነር ከምዝሓተቱዎም ይገልፅ ።ንሕና ዝበልናዮም ድማ ይብል።

“ዘልዓልናሎም ሕቶ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ዝኽእል ዴሞክራሲ ክረጋገፅ ከሎ ጥራሕ እዩ።ዴሞክራሲ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ቅድመ ኩነት እዩ።እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበር ብውልቂ ድልውነት እንተሃለዎም እውን እቲ ስርዓት ክሳብ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣይክእልን እዩ።”

ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ንምርግጋፅ ክውሰዱ ዘለዎም ዝበሉዎም ክልተ መፍትሕታት ከምዘቕረቡ እውን ይገልፅ ።እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከልዕሉዎን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሚእታ መዓልታት ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከቡ ፖለቲካው ውድባት እቶም ብሽብር ዝተመደቡ ዝሓቖፈ ድርድር ክገብር ከሎ እዩ ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክወስደና ዝኽእል ይብል።

እቶም ኮሚሽነር ብተወሳኺ ምስ ኣባገዳ፣ጠበቓታትን ሕጊ፣ተወከልቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ መወዳእታ እውን ቀዳማይ ሚንስትርር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣባላት ፓርላማን ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ’ሎ።

ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተራኸቡ ዝገለፃ መራኸቢ ማዕኸናት መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ህንፀት ዴሜክራሲ ከምኡ እውን ባህሊ ዴሞክራሲ ንዕባይ ዘኽእሉ ለውጥታት ይካየድ ከምዘለው ነቶም ኮሚሽነር ከምዝገለፅሎም ፀብፂበን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

XS
SM
MD
LG