ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ መግለጺ ሂቡ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ


ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ ክናዋሕ ኮነ ከይናዋሕ ንዝኾነ አካል መግለጺ ሂቡ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ።


እቲ ምርጫ ቦርድ "ሰላም ከይሃለወ ምርጫ ፈጺሙ ዘይሕስብ'ዩ" ኢሉ ዝብል ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘግሓ ሓበሬታ "ሓሶት'ዩ" ኢሉ'ሎ።


እቲ ምርጫ "ኣብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ንምክያድ ምድላዋቱ የሳልጥ ከምዘሎ ዝገለጸ'ቲ ምርጫ ቦርድ በቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ንምክያድ ዘየኽእል ኩነታት እንተተፈጥረ'ውን ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢና ነፍልጥ ምበር ባዕላትና ናይ ምንዋሕ ኾነ ምስራዝ መዝነት የብልናን" ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG