ለት ኢት ስላይድ "Let it Slide" ስላይድ "Slide" ማለት ሸተት ወይድማ ሸታሕታሕ ከምኡውን ንምንድልሃጽ የመልክት። ለት ኢት ስላይድ "Let it Slide" ክንብል ከለና ግን ሸለል ኢልካ ምሕላፍ ወይድማ ከምቁም ነገር ዘይምሕሳብ የመልክት። ብዙሕ ኣተኩሮ ከይሃብካ ንዝኾነ ነገር ከም ሻሙ ምሕላፉ። ብዛዕብኡ ብዙሕ ዘይምሕሳብን ዘይምትኳርን ንዝገልጽ ኣበሃህላ የመልክት።
ካት ፍሮም ዘ ሰም ክሎዝ (Cut From the Same Cloth)፡ ነቲ ብመልክዕን ዝተፈላለየ ነገራትን ሓደ ዓይነት ዝመስሉ ንምግላጽ ንጥቀመሉዩ። ንኣብነት ንክልተ ተመሳሰልቲ ሰባት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
ባክል "Buckle" ማለት ክልተ ወይድማ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ብሓደ ምእሳር ወይድማ ምርኻብ ወይ ምዕጣቕ እዩ። ባክል ዳውን "Buckle Down" ክንብል ከለና ድማ ተኣሰር ወይድማ ተዓጠቕ ንኸም ቁልፊ መሳሊ የመልክት።
ዶሚኖ ኢፈክት (Domino Effect) ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝወረደ ንብዙሓት ካልኦት ብድሕሪኡን ቀጺሎምን ዝርከቡ ዝጸሉን ዝትንክፍን ምስ ዝኸውን የመልክት።
ራይት ኣዝ ረይን ( Right as Rain) ኩነታትና ተሓቲትና ብፍላይ ምስ ጥዕና ብዝተተሓሓዘ ጽቡቕ ጥዑይ ወይድማ ዘይተጸለኣናን ሕማም ከምዘይስምዓናን ንምግላጽ ንጥቀመሉ እዩ።