ፅንፊ ዝሓዙ ጉጅለታት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም ዝተጋገየ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ፅልኣት እናጋፍሑን ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተሓሳሲቦም።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሓገዝቲ ሃገራት ዘሳትፍ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓለም ጉባዔ መራሕቲ ዓለም የካይዱ’ለው።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦማባ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሶሉስ ንመወዳእታ ጊዜ መደረ አስሚዖም።