ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ድርቂ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሕማም ውፅኣትን ተምላስን ብ70 ሚእታዊት ከምዝነከየ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብደርቂ ዝተጠቕዑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ናብ መዓስከራት እታ ሃገር ይውሕዙ ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ዝተጠቕዑን ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ዝርኸቡ መዓስከራት ይውሕዙ።
ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ዝተጠቕዑን ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ዝርኸቡ መዓስከራት ይውሕዙ።
ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዝተኸሰተ ድርቂ ንምምካትን ረድኤት ንዘድልዮም ንምሕጋዝን ብክልላውን ፌደራላውን መንግስታት ከምኡ እውን ብዓለምለኸ መሻርኽቲ ይሰርሑ ምህላዎም ናይቲ ክልል ፕረዝደንት ኣፍሊጦም።
ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፍለጥ ብዝተባህለ ድርቅን ጥምየትን ተጠቒዓ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላሊዩዎም ከምዝርከብ ይግለፅ ኣሎ።ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማል፣ደቡብ ሱዳን፣ኬንያ፣ኢትዮጵያን ሓዊሱ ኣስታት 17 ሚሊዮን ሰባት ንድርቅን ጥምየትን ስለዝተቓልዑ ረድኤት የድልዮም ኣሎ።
ተወሳኺ ጽዓን