ኣብ ሱዳን ክኻየድ ብዝጀመረ ወፍሪ ህዝባዊ ዘይምእዛዝ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ካርቱም ብዙሕ ምንቅስቃስ ከምዘይተራእየን ኣብ ኡምዱርማን ድማ ሓደ ወዲ 20 ዓመት ምሟቱን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሩፐርት ኮልቪል ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት’ቲ ውድብ ዝሃብዎ መግለጺ ኩነታት እቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዘሻቀሎም ሓቢሮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 3,400 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ተታሒዞም ይርከቡ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት አባልነት ሱዳን ከምዝአገደ ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ብወገና ጽባሕ ዓርቢ ዝጅምር ጻዕርታት መንጎኝነት ከምተካይድ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ካብ ከተማ ካርቱም ምሕባሮም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ብሪጣኒያ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ስድራ ንጉሳዊያን ብሪጣንያ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።መንግስታዊ ናይ ድራር እንግዶት ከምዝእንገዱን ካብ መዝነተን ዝወርዳ ምስ ዘለዋ ቀዳመይቲ ሚንስትር ተሪሳ ሜይን ከምዝዘራረቡን ተፈሊጡ’ሎ።
ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ሱዳን ዋላ’ዃ ወከልቶም ምስ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ልዝብ እንተቐጸሉ ጠለቦም ክሳብ ዝማላእ ኮፍ ናይ ምባል አድማ ከምዝቕጽልዎ ሎሚ ሶኑይ ኣፍሊጦም።
ኣብ ጥቓ ናይ ግብፂ ጊዛ ፒራሚድስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዝተፈፀመ ናይ ነታጒ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 16 ሰባት ምቑሳሎም ሰበስልጣን ፀጥታ እታ ሃገር ገሊፆም። እታ ኣውቶቡስ መብዛሕቲኦም ደቡብ ኣፍሪቃዊያን በፃሕቲ ዝርከቡዎም 28 ሰባት ፅዒና ምንባራ እቶም ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነበርቲ ኣውሮጳ ዝኾኑ ኤርትራዊያን ኩነታት’ቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ትኹረት ዓለም ንኽረክብ ናይ ብሽክለታ ጉዕዞ ጀሚሮም ኔሮም። እቲ “ጉዕዞ ንፍትሒ” ዝብል ጉዕዞ ብሽክለታ ሎሚ ኣብ ከተማ ብራስለስ ብዝተኻየደ ሰልፊን ርክብ ምስ ሰበ ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳን ተዛዚሙ’ሎ።
ንመበል 25 ዓመት ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ብሰንበት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ዝተኻየደ ናይ እግሪ ጉዕዞ ፕረዚደንት ፖል ካገመን መራሕቲን ሰበ ስልጣን ዝተፈላለዩሃገራት ምስታፎም ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጒ ብምትኳሱ 12 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ቁጽሮም ብርግጽ ዘይተፈልጠ ዝቆሰሉ ሰባት ከምዘለው ተገሊጹ።
ኢትዮጵያዊይ መንእሰይ ዓብደልፈታሕ ሙዘይ ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ መስቀል አደባባይ ናይ አካል ምንቅስቃስ ትምህርቲ ብነጻ ይህብ።ንሱ ነዚ ናይ አካል ምንቅስቃስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሰንበት ንግሆ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ መስቀል አደባባይ የካይድ።ብዙሓት ድማ ኣብዚ ናይ አካል ምንቅስቃስ ይሳተፉ። ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ብወገኑ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብሕማም መንሽሮ፡ስኾርን ካልኦት ሕማማትን ዝጥቕዑ ሰባት ይውስኽ ምህላው ይገልጽ።
ተወሳኺ ጽዓን