መራሒ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ኣብ’ቲ ትማሊ ዘቅረብዎ ‘መደረ ዓመታዊ ኩነተ-ሃገር’ ተዓዊተሉ ዝበልዎን ንዝመፅእ ዓመታት ዘለዎም ራእይ ንኣሜሪካን ኣንፀባሪቆም።
ቤት-ምኽሪ ደኒማርክ ነቲ ኣከራካሪ ኮይኑ ዝጸንሓ ስደተኛታት አብታ ሃገር ንዝጸንሕሉ ጊዜ ክኸፍሉ ኣለዎም ዝብል ሕጊ ጽባሕ ረቡዕ ከምዝዘራረብሉ ተፈሊጡ።
ሚንስትራት ወጻኢ ሊግ ዓረብ: ኢራን አብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ዓረብ ምትእትታው ተካይድ ኣላ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣላ ክብል ከሲሱ`ሎ።
ስዑድ ዓረብ ንሻዓ ሙስሊም ዝነበረ ዜጋኣ ሸኽ ኒምር ኣል-ኒምር ድሕሪ ክሳዱ ቆሪጻ ምቅታላን፣ ምስ ቴህራን ንዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምብታኻን፣ እቲ ስዑዲ ትመርሖ ጥምረት ኣብ የመን ኣንጻር’ቶም ብኢራን ይድገፉ’ዮም ዝባሃሉ ምልሻታት ሁውቲ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ይቅጽል’ሎ።
ተከተልቲ ጁልያን ካላንደር ብዝኾኑ ኣመንቲ ክርስትና ሎሚ ልደት ክርስቶስ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት አብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ተከቢሩ ወዒሉ’ሎ። ትማሊ ረቡዕ ድማ አመንቲ ክርስትና ሩስያ፡ ዩክሬን፡ ጆርጅያ፡ሰርብያ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦትን ንድሮ መዓልቲ ልደት ክርስቶስ ዘክበሩ ክኮኑ ከለው ተከተልቲ ግሪጎርያን ካላንደር ዝኾኑ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ንበዓል ጥምቀት ኣኽቢሮም ወዒሎም ኣለው።
ስዑዲ ዓረብ ንሃይማኖታዊ መራሒ ሽዓት ዝሓለፈ ሰሙን ብሞት ምስ ቀጽዓት ፡ በዚ ተግባር ስዑዲ ዝተቆጥኡ ኢራናዊያን ንኤምባሲ’ታ ሃገር ወሪሮም። ነዚ ተኸቲላ ስዑዲ ዲፕሎማሳዊ ዝምድና ምስ ኢራን ምቁራጻ ገሊጻ። ብድሕሪ’ዚ አብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ምንሃሩ ቀጺሉ።
ስዑድ ዓረብ ንሸኽ ኒምር ኣል-ኒምር ብግብረ-ሸበራ ከሲሳ ድሕሪ ክሳዱ ቆሪፀ ቀቲለዮ’ለኹ ምባላ ዝተወለዐ ቅልውላው ምስ ኢራን፣ ናብ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ዓሪጉ’ሎ።
ዳዕሽ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቲ ንሱ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ትጽብጽብ ንዝነበረት ንጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ከምዝረሸነ ሶሪያዊያን ተሓለቕቲ ገሊጾም።
ተወሳኺ ጽዓን