ኣሜሪካ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሮሚያ ዝተፈጥረ ግጭትን ዝሰዓበ ሞት ብዙሓት ሰልፈኛታትን ብዓሚቕ ኣሻቒልዋ`ሎ። በቲ ዝጠፍአ ህይወት ንሓዝን ንቤተሰብ መውቲ’ውን ጽንዓት ንምነ።
ትማሊ አብ ዝተካየደ መበል 5ይ ክትዕ ሪፓብሊካን ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት አሜሪካ፡ ሃገራዊ ጸጥታን ፓሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ቀንዲ መከራከሪ ኣርእስትታት’ዮም ኔይሮም።
ዓለም-ለኸ ንነጻ ፕረስ ዝከራከር ጉጅለ ሎሚ አብ ዘውጽኦ ሪፖርት ቻይናን ግብጽን ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዛ ገሊጹ። እዚ ድማ እተን ሃገራት አንጻር መንግስቲ ንዝወጹ ጽሑፋት ንምእጋድን ንምጉዳልን ብዝገብሮ ፈተነታት ምኳኑ እቲ ሪፖርት ሓቢሩ’ሎ።
ተወሳኺ ጽዓን