ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ህጻናትን ኣዴታትን ዝኸውን መግቢ ንምቕራብ ካብ 150 ክሳብ 200 ሚሊዮን ብር ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።
ካብ ክልቲኡ ፓርቲታት ኣሜሪካ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ሕጹይ ኮይኑ ዝስመይ ኣብቲ ጽባሕ ሶሉስ ኣብ 12 ክፍለ-ግዝኣታት ዝካየድ ቀዳማይ መድረኽ ምርጫ ክውሰን’ዩ።
ናይ ሶማል ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ/ኣሚሶም/ ብሓደ መሪሕነት ንክምራሕ መራሕቲ ወታደራት ናይ ዘዋፈራ ሃገራት ወሲኖም።ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ወታደራት ክሳብ ሎሚ ብተናጸልን ኣብ ዝተመደብዎም ከባቢታት ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣምባሳደር ገብረክርስቶስ ገሊጾም።
በቲ ናዕቢ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ
ኣብ ሞቃድሾ ሎሚ ዓርቢ ብመጥቃዕቲ ኣልሸባብ 6 ሰባት ተቀቲሎም ካልኦት 25 ኸኣ ቆሲሎም።
2015: ንዓቕምን ግብረ-መልስን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ዝፈተነት፡ ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝተፈናቐለላ ዓመት ኔራ ይብላ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።
ኣል-ሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መደበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ ካብ 180 ክሳብ 200 ዝኾኑ ወታደራት ኬንያ ከምዝተቐትሉ ፕረዝደንት ሶማል ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ሳልሳይ ወርሑ ዝሓዘ ህውከት ሎሚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቀጺሉ ከምዝወዓለ ይንገር’ሎ።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ሪፖርት ኹነታት ሰብአዊ መሰል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ዓ.ም.ፈ ከምዘንቀልቆለ ኣፍሊጡ።
ተወሳኺ ጽዓን